ጋዜጣዊ መግለጺ – ኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ ንምምሳሉን ሰበብ ሃሰው ትብል

Compartilhar


ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ተጸሚዱ ቀንዩ ኣሎ። እዚ ዘመተ’ዚ፡ ናብ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ሓያሎ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን መልእኽቲ ምስዳድ ዘጠቓለለ እዩ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ መልእኽቲ፡ ንኤርትራ ብ“ተደጋጋሚ ምትዂታዂን ጥሕሰት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን” ብሓሶት ዝጥቅንን ዝኸስስን እዩ።
 
እዚ መደናገሪ መልእኽቲ’ዚ፡ ያኢ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብምትላል፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ነጋሪት ክድስቐሉ ዝጸንሐ ኣጀንዳ ኲናት ደገፍ ንምርካብ ዝዓለመ ምዃኑ፡ ንኹሉ ብሩህ’ዩ። “ጭጉራፍስ ሃሪማ ባዕላ ተእዊ” ከም ዝበሃል።
 
እቲ ሓቂ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ብቓላቱ “እንተተኻኢሉ ብሕጋዊ መገዲ፣ ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ብሓይሊ” ወደባት ኤርትራ ንምሓዝ ዝዓለመ፡ ዓንዳሪን ዘይምኽኑይን ጽዑቕ መርዛም ዘመተን ተዂታዂ ተግባራትን ከካይድ ጸኒሑ’ዩ። እዚ ስርዓት’ዚ፡ ክንዮ ቃላት ብምኻድ’ውን፡ ኣብ ዕድጊ ኣጽዋርን እልቢ ዘይብሉ ኣነዓዓቢ ተግባራትን ተጸሚዱ’ዩ ሓግዩ።
 
እዚ ተዂታዂ ተግባራት’ዚ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ከምኡ’ውን ንዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ከቢድ ናይ ሓደጋ ደወል’ኳ እንተኾነ፡ ኤርትራ ልዑል ነፍሰ-ግትኣት ክትክተል’ያ መሪጻ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ ኲናት ኣጀንዳኡ ምስ ኣወጀ’ውን እንተኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብ16 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ኩነታት ብኣርምሞ ብምግንዛብ፡ “ከም ወትሩ – ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጐደናታትን መኣዲታትን ከምዘይዕደም እናረጋገጸ፡ ንኹሎም ግዱሳት ከይትንኰዩ” ምምሕጻኑ ዝዝከር’ዩ።
 
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ነዚ ዘይስገር ጭብጢታትን ፍሉጥ ፍጻመታትን ብምጥምዛዝ፡ ንኤርትራ ብ“ግህሰት ልኡላውነቱን ግዝኣታዊ ሓድነቱን” ከሲሱ ኣሎ። እዚ ዓይኒ ዘይብሉ መርመም ሓሶት’ዩ።
ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቅሉዕ ግሂሶም፡ ንክልተ ዕቑድ ዝኣክል ሰፊሕ ክፋል ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ሒዞም ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ዘይሕጋዊ ጐበጣ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ፡ ብቐንዲ ትሕዝቶን ምኽንያትን ናይ’ቲ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ “ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን” ደንጒዩ ተመዓራርዩ እዩ። ኤርትራ በቲ ብዘይምኹኑይ ምድንጓይ ኢትዮጵያ ድሕሪ ክልተ ዕቑድ ዝተቐበለቶ ውሳነ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጽኑዕ ቅይድቲ እያ።
 
ንምድምዳም፡ እዚ ዘየድሊ ወጥሪ’ዚ፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ልኡላዊ መሬትን ባሕራዊ ግዝኣትን ጐረቤት ሃገሩ ንምጉባጥ ካብ ዘለዎ ዘይሕጋውን እዉጅን ጥሙሕ ዝመንጨወ’ዩ።
 
ሚኒስትሪ ዜና
ኣስመራ
26 ሰነ 2025
 



Source link

spot_img

Veja também

At Launch Of Ethiopia’s GLI, VP Shettima Urges Practical Action Against Climate Change

  *Says Nigeria, Ethiopia have the largest stake in Africa’s...

President Tinubu Embarks on State Visit to Saint Lucia, Attends Bricks Summit in Brazil

  President Bola Tinubu will depart Abuja on Saturday, June...

Idris Elba Pays Courtesy Call On President Bio, Reaffirms Commitment To Sherbro Island Investment Project

Presidential Lodge, Freetown, Thursday, June 26, 2025 – British...

President Tinubu’s Address at the 32nd Afrexim Bank Annual Meetings – Abuja, Nigeria

  Your Excellencies, Distinguished Delegates, Esteemed Guests, It is a great...
- Advertisement -spot_img