Compartilhar

ኣትለት ናሆም ኤርምያስ፡ ዕዉት ማራቶን ኣስመራ – 2026 ብምዃን ዘውዲ ደፊኡ።

Publicado em: 07/06/2026 08:12

ኣትለት ናሆም ኤርምያስ ካብ ክለብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብክልተ ሰዓት፡ 16 ደቓይቕን 22 ካልኢትን ዕዉት ናይ’ቲ ሎሚ ሸውዓተ ሰነ ንሻብዓይ ግዜኡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ – 2026 ኰይኑ።

ኣትለት ናሆም ኤርምያስ ኣብ 2023፡ 2025 ከምኡ’ውን 2026 ንማራቶን ኣስመራ ተዓዊትሉ’ሎ።

ኣብ ውድድር ማራቶን ደቂተባዕትዮ፣ ቀዳማይ፡ ኣትለት ናሆም ኤርምያስ ካብ ክለብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብክልተ ሰዓት፡ 16 ደቓይቕን 22 ካልኢትን – 90 ሽሕ ናቕፋ፡ ወርቂ መዳልያን ዋንጫን፣ ካልኣይ፡ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዑቕበ ክብሮም ካብ ክለብ ዞባ ማእከል ብክልተ ሰዓት፡ 16 ደቓይቕን 27 ካልኢትን – 60 ሽሕ ናቕፋን ብሩር መዳልያን፣ ሳልሳይ፡ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዑቕባይ ጸጋይ ካብ ክለብ ደንደን ሚኒስትሪ ምክልኻል ብክልተ ሰዓት፡ 16 ደቓይቕን 45 ካልኢትን – 30 ሽሕ ናቕፋን ነሓስ መዳልያን ተዓዊቶም።

ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂኣንስትዮ፡ ቀዳመይቲ ኦሎምፒካዊት ኣትለት ናዝሬት ወልዱ ካብ ክለብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብሓደ ሰዓት 16 ደቒቕን 11 ካልኢትን – 25 ሽሕ ናቕፋ፡ ወርቂ መዳልያን ዋንጫን፡ ካልኣይቲ ኦሎምፒካዊት ኣትለት ዶልሺ ተስፉ ካብ ክለብ ደንደን ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብሓደ ሰዓት፡ 16 ደቒቕን 16 ካልኢትን – 15 ሽሕ ናቕፋ ብሩር መዳልያን፡ ሳልሰይቲ ድማ፡ ኣትለት ስምረት መርሃዊ ካብ ክለብ ደንደን ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሓደ ሰዓት፡ 16 ደቒቕን 40 ካልኢትን – 12 ሽሕ ናቕፋን ነሓስ መዳልያን ብምዕዋት ውድድረን ዛዚመን።

ኣብ ክልተ ምድባት ተኸፋፊሉ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፓራ-ኣትለቲክስ፡ ፓራ-ኣትለታት ቴድሮስ ኣረጋይ፡ ዮናስ ሃይሉ፡ ጴጥሮስ ሳሙኤል ከምኡ’ውን ተስፋሂወት ተኽለ፡ ኢብራሂም መሓመድ፡ ድራር ዑቕባማርያም ካብ ምድባቶም – ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ፡ ብድምር ተሸለምቲ 13 ሽሕ ናቕፋ ኰይኖም።

ኣብ’ዚ፡ ውድድር ማራቶን ደቂተባዕትዮ፡ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂኣንስትዮ፡ ውድድር ፓራ-ኣትለቲክስ፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ህዝባዊ ጉያ ዘጠቓለለ ማራቶን ኣስመራ – 2026፡ ካብ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ዝመጹ ኣትለታት ተሳቲፎም።

ኣብ መወዳእታ ንምዕዋት ማራቶን ኣስመራ – 2026 ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት፡ ናይ ኣፍልጦ ሽልማትን ወረቐት ምስክርን ተዓዲሉ።

Fonte: Shabait

Faça um comentário