Compartilhar
ሳልሳይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን፡ ኣብ ሞስኮ ብወግዒ ተኸፊቱ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝሳተፎ ዘሎን ንክልተ መዓልታት ዝቕጽልን 3ይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ከተማ ሞስኮ ብፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብወግዒ ተኸፊቱ።
ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ዕላማ’ቲ ዋዕላ ንፈደረሽን ሩስያን ኣፍሪቃን ናብ ዕብየት ኣብ ዘምርሑ ጽላታት ኢንዳስትሪ፡ ሕርሻ፡ ቁጠባ፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ሳይንስ፡ ባህልን ካልእን ብዕምቈት ብምዝታይ፡ ብሽርክነት ንምስራሕ ከምዝዀነ ሓቢሩ።
ኣፍሪቃ ብዙሕ ሃብቲ ዘለዋ ኣህጉር ከም ምዃና መጠን፡ ጸጋታታ ባዕላ ክተመሓድር ዕድል ዘይምሃብን ዘይምትብባዕን መርኣያ ሓድሽ መግዛእቲ ከምዝዀነ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ኩሎም መግዛእታዊ ሓድግታት ክውገዱ ከምዝግባእ ጸቒጡ ብምዝራብ፡ ሩስያ ብዘለዋ ተመክሮን ምዕባለኣዊ ገስጋስን፡ ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ብፍላይ ድማ ኣብ ምስግጋር ቴክኖሎጂ ክትተሓባበር ቅርብቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።

ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ቡሩንዲ ኤቫሪስተ ንዳዪሺሚየ ብወገኑ፡ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ሃብታም ጸጋታት ብሽርክነትን ንሓባራዊ ረብሓታት ብዘገልግልን ንምምዕባሉን ኣብ ጥቕሚ ንምውዓሉን ኣገዳሲ ከምዝዀነ ገሊጹ።
ሳልሳይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን፡ ጽባሕ 29 ጥቅምቲ ቀጺሉ ክውዕል’ዩ።
ኣብ’ዚ ዋዕላ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈደረሽን ሩስያ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይን እውን ይሳተፉ ኣለዉ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ26 ጥቅምቲ ፍርቂ ለይቲ’ዩ ናብ ሩስያ ገይሹ።
ቀዳማይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ኣብ ከተማ ሶቺ፣ ካልኣይ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ኣብ ከተማ ሰይንት-ፒተርስበርግ፡ “ንሰላም፡ ጸጥታን ልምዓትን” ብዝብል ቴማ ምክያዱ ዝዝከር’ዩ።
Fonte: Shabait
