Compartilhar
ዋና ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ብሕማም ዓሪፎም
ዋና ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ – ዓዲቐይሕ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ናብ ሎሚ ሰኑይ 9 ሕዳር ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድመኦም ብሕማም ዓሪፎም።
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ብዕረፍቲ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ስነ-ስርዓት ፍትሓትን ቀብርን ናይ መወዳእታ ፈነወን ረቡዕ 11 ሕዳር ንግሆ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ርእሰ-ኣድባራት ደብረጽዮን ቅድስቲ ማርያም ድሕሪ ምብጽሑ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ንጽባሒቱ ሓሙስ 12 ሕዳር ኣብ ገዳም ኣቡነ-ሊባኖስ ሃም ኣብ ቅዳሴ ከምዝፍጸም ይሕብር።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ሚኒስተራት ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት ናይ ሓዘን መግለጺ ክታሞም ንኸንብሩ፡ ጽባሕ ሰሉስ ካብ ሰዓት 9፡00 ቅድሚ-ቐትሪ ክሳብ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ቀጽሪ ቤት-ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናይ ሓዘን ዳስ ተተኺሉ ከምዘሎ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ብተወሳኺ ይገልጽ።
Fonte: Shabait
