Compartilhar

መግለጺ ሃኮሰኤ ብምኽንያት ሓደ ግንቦት ዓለማዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት

Publicado em: 01/05/2026 04:35

ባሕቲ ግንቦት ዓለማዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት 2026፡ ብደረጃ ዓለም ንመበል 136፡ ብደረጃ ሃገር ድማ ንመበል 35 ዓመት ግዜኡ ይዝከር ኣሎ። ብምኽንያት’ዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ፡ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ከም ወኪል ናይቶም ኣብ ዕዮን ኣብ ኵሉ ሃገራዊ ጻውዒትን ብዘይ ተጕላባነት ኣብ ቅድሚት ዝተሰለፉን ዝስለፉ ዘለዉን ሰራሕተኛታት፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓይልታት ምክልኻሉን ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝነብር ዜጋን እንቋዕ ኣብዚ ኣብቅዓና ይብል።

ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ ጽንብል ዓለማዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፡ ‘ውዳበ ሰራሕተኛታት፡ ደራኺ ንልምዓት!’ ዝብል’ዩ። ታሪኽና ከም ዝምስክሮ፡ ዝተወደበ ሰራሕተኛ ሓርነቱ ዝኣወጀን ተመሊሱ ስለ ሓርነት ህዝቡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቱ ሓራ ንኸውጽእ ዝቃለስን ጸዓተኛን ሕቡንን’ዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ፡ ናይ ኣበርክቶን ኣብ ታሪኽ ተወቒሩ ዝነብርን ብምሕቡር ኣእዳው ዝወራረስ ሓድግን፡ ሓንቲ ዝተወደበት፡ ረቂቕ ሓይሊ ዝወነነት ሃገር ይሃንጽ። እዚ ሓቂ’ዚ፡ ገና ኣብ ኤርትራ ዘመናዊ ሰራሕተኛ ከም ኣምር ካብ ዝተቐልቀለሉ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ ኣትሒዙ ሰረቱ ዘንጸፈ’ዩ።

ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት፡ ውዳበ ሓያል ድምጺ ከም ዝፈጥር ብምእማን፡ ኣንጻር ዓሌት ምርኩስ ዝገበረ ምዝመዛ፡ ዘይምዕሩይ ደሞዝን ሕማቕ ኵነታት ስራሕን እናተቓለሱ ሞያዊ ክእለታት ኣጥርዮምን ረቂቕ መንፈሳዊ ሓይሎም ኣውሪሶምን’ዮም። ኣብ ኵሉ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንዝረኸብዎ ይዕበ ይንኣስ ናይ መንቋሕቋሕታ ዕድላት ብምጥቃም ኣብ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ሰባውን ፖለቲካውን መዳያት ናይዚ ቃልሲ’ዚ መሪሕ ተራ ተጻዊቶምን ኣዐዊቶምን።

ውዳበ፡ ንቕሓትን ዕጥቅን ደሚሩ፡ ንዋሕድና ኣራቢሑ፡ ደጋዊ ጸቕጥታትን ታህዲዳትን ብዘይ የገድስ፡ ውሽጣዊ ሓይልና ንኸነለሊ፡ ናብኡ ንኽንጥምትን ኣብኡ ክንኣምንን ዘኽኣለ ወርቃዊ ኣምር ምዃኑ ሜዳ ቃልሲ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ’ውን መስኪሩ’ዩ። ህዝባዊ ግንባር፡ ‘ሓፋሽ ይንቃሕ፡ ይወደብ፡ ይተዓጠቕ!’ ዝብል ጭርሖ ብምልዓል ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክመርሖ ከሎ ኸኣ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝተሰለፉን ዝሓበሩን ሰራሕተኛታት’ዮም። ሃገራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ከም ሓደ ውዳበ ሰራሕተኛታት መጠን፡ ኣብ ምውዳብን ምዕጣቕን ሰራሕተኛታት፡ ፋይናንስያዊ ደገፋት ኣብ ምብርካት፡ ተሳትፎኡ ኣብ ኵሉ ልምዓታዊ መደባት ኣብ ምዕዛዝ፡ ፖለቲካዊ ደገፍ ኣብ ምሃብን መትከል ርእሰ ምርኰሳ ብግብሪ ኣብ ምርግጋጹን ኣብ ሰውራ ኤርትራ ታሪኽ ሰኒዱ ሓሊፉ።

እዚ መንፈስ’ዚ፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ቀጺሉ። ምስቲ ዅሉ ንኤርትራ ዘጓነፋ ናይ ባይታን ናይ ኣእምሮን ኲናት፡ ሓሊኹ ክሕዘና ዘንቀደ እገዳታትን ናይ ዲፕሎማሲ ተነጽሎታትን፡ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ብመገዲ ኮንፈደረሽኖም፡ ኣብ ምውዳብ ዓያዪ ሰራሕተኛ፡ ኣብ ምብርካት ቍጠባዊ ደገፍ ኣብ ሃዋህው ኣይኲናት ኣይሰላም፡ ልዑል እጃም ተጻዊቶም። ቍጠባዊ ሓርነት ንምጕንጻፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ኩባንያታት ህንጻ፡ መጐዓዝያ፡ ወሃብቲ ኣገልግሎታት፡ ኮርፖረሽናት፡ ፋብሪካታትን ካልኦት ትካላትን ልዑል እጃም የበርክቱ ኣለዉ። በዚ መዳይ’ዚ፡ ሰራሕተኛታት፡ ማሕበራዊ ሓድነቶምን ውዳበታቶምን ኣሐይሎምን ኣስፊሖምን፣ ድሕነት ሃገር ኣውሒሶም ይርከቡ።

ሎሚ፡ ነዛ ዕለት’ዚኣ ክንዝክራ ከሎና እምበኣር፡ ነቶም ኣብ ፖለቲካውን ዕጥቃዊ ቃልሲ ንሓርነት ኤርትራን ቃልሲ ቍጠባዊ ሓርነትን መሪሕ ተራ ዝተጻወቱ፡ ሃገራዊ መንነትና ዝዀልዑ ወለዶታት ሰራሕተኛታት ብኽብሪ እናዘከርና ይኸውን።

ልምዓት፡ ካብ ውዳበ፡ ንቕሓትን ኣፍራዪ ጸዓትን ዝነቅል ምዃኑ ብምእማን፡ ህሉው ዓለማዊ ኵነታትን ፈጢሩዎ ዘሎ ብድሆታትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰራሕተኛታት ብፍላይ’ኳ መንእሰያት፡ ምስ ኣብ ጸጽባሕ ዝቕልቀል ዘሎ ቴክኖሎጂታት ብፍልጠትን ክእለትን እናሰጐሙ፡ መሃዝነቶምን ኣፍራይነቶምን ኣብ ቦታ ስራሕ ከዕዝዙ፡ ሃኮሰኤ ብምኽንያት’ዚ ክቡር ዕለት’ዚ የዘኻኽር።

ዕድመ ንባሕቲ ግንቦት ዓለማዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
ዓወት ንሓፋሽ!

Fonte: Shabait

Faça um comentário