Compartilhar
ንዓቕሊ ጽበት ሰልፊ ብልጽግና ዘግሃደ ህውተታ
ቅብጸተ-ተስፋ ሰልፊ ብልጽግና ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ወሪዱ ከምዘሎ እናጐልሐ ይመጽእ ኣሎ። ዓቕሊ ጽበቱ ኣብ ዘግህደሉ ናይ መወዳእታ ነጥቢ ዝበጽሐ ድማ ይመስል። ብመንገዲ’ቲ ህውታትያን ተላኻዒን ጌታቸው ረዳ ዘጋወሖ ኣዝዩ ኣሰልካዪ ናይ ሓሶት ጠቐነታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ድማ፡ ንእሽቶ መርኣያ ጥራይ’ዩ።
ጌታቸው ረዳ፡ ከም እሙን ተንታኒ ፖለቲካን መወከሲን እንተ ተወሲዱ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ – ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብ ቴለቪዥናት ኮነ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ሕሳባቱ፡ ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ይኹን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተዛረቦ፡ እልቢ ዘይብሉ ጽዩፍን ስዲን ዘረባታት’ውን ከም ቅቡል ገይርካ ክውሰድ ኣለዎ ማለት’ዩ።
ገለ ካብ’ቲ ብዛዕባ ኣቢይ ኣሕመድን ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝዛረቦ ዝነበረ፡ ናይ ምስትንዓቕ ዘረባታት ንምጥቃስ ዝኣክል፥
-“ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ፖለቲካ ድንኪ’ዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ንቡር ኩነታት እትርከብ ሃገር ነይራ እንተትኸውን፡ ኣብ ሆስፒታል ሕሙማት ኣእምሮ ወይ ናይ ተሃድሶ ማእከላት ኣትዩ፡ ኣጋጢምዎ ዘሎ ቀውሲ ክፍወስ’ዩ ዝግባእ ነይሩ።”
– ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣዲኡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ቈልዓ እንከሎ፡ ኣብ ሕልማ ክነግስ ከም ዝረኣየቶ ንዝተዛረበቶ፡ ከም ሓቂ ኣሚኑ ብኩርዓት ዝጀሃር ህውታትያ’ዩ።”
– ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብኣጋጣሚ ኣብ
ስልጣን መጺኦም፡ ዓቢ ዕንወት ናይ ዘውርዱ ዘይብቑዓት ሰባት እቲ ልክዕ ተምሳል’ዩ።” – ኣቢይ ኣሕመድ ብዘይ ምትላልን ምድንጋርን ሃገር ክመርሕ ዝኽእል ሰብ ኣይኮነን።” – ኣቢይ ኣሕመድ ሓንቲ ትምህርቲ የብሉን . . .ከመይ ገይሩ PHD ረኺቡ ብልክዕ ንምፍላጥ ምኽንያታዊ ሕቶ ክትሓቶ ድማ ግዜን ዕድልን ኣይህበካን’ዩ።” – ኣቢይ ኣሕመድ፡ ከም ኣብነት ናይ ሃገራዊ ክድዓት ኣብ መምሃሪ መጽሓፍቲ ክቐርብ ዝኽእል’ዩ። ክንዲ ዝኾነ ብዛዕባ ልኡላውነት ክዛረብ ሞራላዊ ባይታ የብሉን።” – ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ’ዛ ሃገር ዝበቘለ መርዛም ጻህያይ’ዩ።” – ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ካልኦትን ብቑዕ ሰራዊት ኣይኮኑን ዝመርሑ ዘለዉ። እተን ዝነበርኦም ሒደት ወተሃደራዊ ፍልጠት’ውን ኣጥፊኦምወን እዮም። ከም በጊዕ፡ ትእዛዝ ናይ’ዚ ዕቡድ መራሒ ኣብ ምትግባር’ዮም ዝርከቡ። እዚ ጸረ-ህዝቢ ሰራዊት፡ ብዓይኒ-ብለይ ስኒ-ብለይ ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ኣጀንዳ ውግእ ከተግብር፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብን መንእሰያትን ዘይተኣደነ መቕዘፍቲ ዘውርድ ዘሎ’ዩ”. . . ወዘተ።
ጌታቸው ረዳ፡ ካብ’ቲ ዘይርጉእ ኩነተ-ኣእምሮኡን ዝገላበጥ ፖለቲካዊ መርገጺታቱን ዝብገስ፡ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ዊን ዝብሎ ንሓድሕዱ ዝገራጮ መግለጺታት ዘቕርብ ሰብ’ዩ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ምስቲ ኣቐዲሙ መወዳእታ ዘይብሉ ኩምራ ጸርፊታት ዘዝንበሉ ዝነበረ ፈደራል መንግስቲን ቀዳማይ ሚኒስተሩን በለጻዊ ኪዳን ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ተሰልቢጡ ነቲ ዓሰርተታት ዓመታት ሒዙዎ ዝነበረ ፖለቲካዊ እምነት ብዘይ ሕንከት ከናሹ ይስማዕ ኣሎ።
ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ’ቶም ናይ ቀደም ብጾቱ ክጨርቕ እንከሎ፡ “ትግራይ ናጻ ሃገር ክትከውን ዝብሉ ብዙሓት’ዮም። ኣነ’ውን ምውቕ ክብለኒ እንከሎ (ብኣልኮላዊ መስተ) ከምኡ እብል ነይረ’የ” ምባሉ ይዝከር።
ናይ ቀረባ ፈለጥቱ ከምዝገልጽዎ፡ ጌታቸው ዳርጋ መዓልታዊ ክበሃል ብዝከኣል ደረጃ፡ ካብ ምሽት ክሳብ ወጋሕታ ኣብ ስኽራን’ዩ ዘሕልፎ። በዚ ምኽንያት’ዩ ድማ፡ “ቮድካቸው” ዝብል ሳጓ ዝጠበቖ። ስለ’ዚ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ዕለታዊ ዝላኻዕ’ዩ።
ሓላፍነት ዝጎደሎ መግለጺታት ናይ ከም’ዚ ዝኣመሰለ በጋሚንዶ ፖለቲካ፡ ብኸመይ መንገዲ ዕቱብ ሚዛን ክወሃቦ ይኽእል፧
እንተ’ቲ ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ እዋን ኣንጻር ኤርትራ ዘህተፍተፎ፡ ጽልእን ቁጥዐን ዝመልኦ ብዙሕ ሃለውለው፡ መልሲ ክትህበሉ ዝደፍእ ነጥቢ’ውን የብሉን። ክንዲ ዝኾነ ኣብቲ “ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምድኻምን ንምዕናውን ብውዲታውያን ሓይልታት ዝተፈጥረት ሃገር’ያ” ዝበሎ ዘንቀደ ጸለመን ናይ ታሪኽ ምጥምዛዝን ጥራይ ከነተኵር።
እዚ ታሪኽ ናይ ምጥምዛዝን ንድሕሪት ናይ ምምላስን ጐጣዪ ሃቐነ፡ ብልጽግና ናይ ኲናት ኣጀንዳኡ ርትዓዊ ንምምሳል ደይ መደይ ኢሉ ዘንበድብዶ ዘሎ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ።
የግዳስ፡ ታሪኽ ነዚ ዝስዕብ ሓቂታት’ዩ ዘረጋግጽ፦
1.ኤርትራ ኣብ 1940ታት – እዋን ምዝርዛር ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ዘይጉሰ መሰላ ንናጽነት ተመንዚዓ፡ ጂኦፖለቲካዊ ረብሓታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦት ሓይልታትን ንምሕላው ተባሂሉ፡ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ከምእትቚረን ተገይሩ።
2.መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1962 ነቲ “ፈደራላዊ ውዕል” ብኢደ ወነኑ ኣፍሪሱ ንኤርትራ ክጐብጣ ከሎ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ – ንተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ሕሳባት፡ ብጭቚ ክብል ኣይተሰምዐን።
3.ኤርትራን ህዝባን፡ ከቢድ ጾር ሃገራዊ ናጽነት ተሰኪሞም፡ ን30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ከካይዱን ከቢድ ዋጋ ክኸፍሉን ተገዲዶም’ዮም። ኣብ’ቲ እዋን’ውን እንተዀነ፡ ዓለም ብዓለማ ጠሊማቶም’ያ። ካልእሲ ይትረፍ፡ ንሕጋዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነት ዝገበረቶ ሞራላዊ ይኹን ንዋታዊ ደገፍ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ፡ ብንጉስን ንዕኡ ብዝዓለወ ወተሃደራዊ ጉጅለን ትምራሕ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሕብረት ሶቭየት፡ ሃገራት ኤውሮጳ፡ እስራኤል፡ ከምኡ’ውን ገለ ሃገራት ዓረብ፡ ኤስያ፡ ኩባን ካልኦትን፡ ገዚፍ ወተሃደራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ደገፍ ይግበረላ ነይሩ።
4.ድሕሪ ናጽነት ዝቐጸለ ኩነታት’ውን፡ ካብ’ቲ ናይ እዋን ቃልሲ ዝፍለ ኣይኰነን። ስርዓት ኢትዮጵያ ንዝኣተዎ ሕጋዊ ውዕላት ብቐንዱ ድማ ነቲ ኣመሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ከም ኣውሓስቲ ዝኸተሙሉ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኮሚሽን ዶብ ጥሒሱ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብወራር ክሕዝ ከሎ፡ ዓበይቲ ሓይልታት ብዓቢኡ ድማ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እቲ ዝግባእ ስጉምቲ ዘይምውሳዶም፡ ብዋጋ ፍትሕን ርትዕን ንጸቢብ ረብሓታት ምቛሞም ዘጉልሕ’ዩ።
5.ኣብ’ዚ ህልው ስርዓት ኢትዮጵያ ኣጀንዳ “ልኡላዊ መስኮት ባሕሪ” ብምልዓል ነጋሪት ኲናት ዝድስቐሉ ዘሎ ህሞት’ውን እንተዀነ፡ ንኢትዮጵያ ዝግበር ጽዑቕ ክንክን ቀጺሉ’ዩ። 3 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ደገፍ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፡ ኣብ መስመር ኣሎ። ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ባጀታዊ ደገፍ ዘጠቓልል ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣትዩ’ሎ። ጐኒ-ጐኑ’ውን፡ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኤስያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ካልኦትን ንኢትዮጵያ ዝገብርኦ በይናዊ ክልተኣዊ ደገፍ ቀጻሊ’ዩ። ኩሉ’ዚ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ፍሉጥ ሓቂ “ጽዑቕ ክንክን ንኢትዮጵያ” ዘነጽር’ዩ።
6.ገለ ጸብጻባት ከምዘነጽርዎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ብድምር 114 ቢልዮን ዶላር ደገፍ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ረኺባ’ያ። እዚ ገዚፍ ሓገዝ ድማ፡ መሻደኒ እምበር፡ ከም’ቲ ዝበሃል “ንኢትዮጵያ ንምድኻምን ንምዕናውን ካብ ዝግበር ተንኰል” ንምድሓን ዝምጦ ከምዝይኰነ ርእሰ- ግሉጽ’ዩ።
ብሓጺሩ፡ ጌታቸው ረዳ ዝገበሮ “ትንታነ” ብዙሕ ሚዛን ዝወሃቦ ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ን“መለዓዓሊ”/ “መረሳሰኒ” ክጥቀመሉ ምፍታኑ ድማ፡ መርኣያ ዘለዎ ኩነት ቅብጸተ-ተስፋ ጥራይ’ዩ
Fonte: Shabait
