Compartilhar
ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣጽኒዓቶ ንዝጸንሐት በይናዊ ኣገዳ ኣልዒላቶ።
ኣስመራ – 19 መስከረም 2026 : – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣጽኒዓቶ ንዝጸንሐት በይናዊ ኣገዳ ከምዘልዓለቶ፡ ብ18 መስከረም ኣፍሊጣ።
እዚ ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን ብ17 መስከረም 2021 ብዝሃቦ ፈጻሚ ውሳነ ቊጽሪ 14046 ዝጸንዐ ዘይምኽኑይ እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘየድሊ ሃስያ’ኳ እንተውረደ፡ እቲ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ምልዓሉ ስጉምቲ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ቅንዕናን ምክብባርን ዝተሰረተ ሃናጺ ዝምድናታትን ምትሕግጋዝን ንምምዕባል ደራኺ ምዕራፍ ክኸፍት ትጽቢት ይግበር።
እቲ እገዳ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ንሰብ-መዚን ኣገደስቲ ቁጠባዊ ትካላትን ዒላማ ዝገበረ’ዩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብምኽንያት መበል 35 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ዝሰደዶ ናይ ዮሃና መልእኽቲ፡ “ንዝሓለፈ መዋእል ሕቘና ሂብናዮ ስለዘለና፡ ንቕድሚት ክንስጉም፣ ከምኡ’ውን ንሓባራዊ ሰላምን ብልጽግናን ብሓባር ክንሰርሕ፡ እቲ ምቹእ ግዜ ሕጂ ኰይኑ ይስመዓኒ።” ክብል ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።
Fonte: Shabait
