Compartilhar

ወግዓዊ ጽንብል መበል 35 ዓመት ናጽነት፡ ብልዑል ድምቀት ተኻዪዱ።

Publicado em: 24/05/2026 17:01

ወግዓዊ ጽንብል መበል 35 ዓመት ናጽነት፡ “ጽንዓትና ዋሕስና” ብዝብል ቴማ፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ብልዑል መዓርግ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ሰላምታ ንክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ዝኽረ-ሰማእታትን ዝፈለመ ስነ-ስርዓት፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ብሓደ መንፈስን ብሓደ ልቢን ኣብ መላእ ሃገርን ኣብ ወጻእን ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ውዕዉዕ ቅነ ናጽነት ንዝተራእየ ልዑል ወኒ ብምምጓስ፡ ነዊሕ ኣዋርሕ ንዝወሰደ ዛዛሚ መደባት ኣብ ምድላው ንዝተሳተፉን ኣበርክቶ ንዝገበሩን ምስጋና ኣቕሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ፈተውቱ ተቓለስቲ ህዝብታት – ዮሃና፣ ነዛ ዕዝዝቲ ዕለት ንምምዕራግ ዓይነታዊ መሰናድኦታት ንዝወደቡን መልእኽትታት ዮሃና ንዝለኣኹ ፈተውትን ድማ ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣብ ዝሓለፋ 35 ዓመታት፡ ኣንጻር ዝተፈላለየ ተጻብኦታት፡ ሸርሕታትን መጥቃዕትን ኣብ ምክልኻል ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ምስ ጥሙር ልምዓታዊ ተጋድሎ ደሚርካ ኪርአ’ንከሎ፡ ዓመት-ዓመት ዝዝከር በዓል፡ መለክዒ ጉዕዞን ገስጋስን ተልእኾ ሃገራዊ ህንጸት ወለዶታት ከምዝዀነ ገሊጹ።

ናጽነትን ልኡላውነትን፣ ውህደትን ክብሪ መሬትን ብዘላቕነት እናሰሰነ ዝምዕብል መስርሕ ከምዝዀነ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንጉዕዞና ብዝምልከት ምስ ነብስና እንተሓተተሉ ኣጋጣሚ ከምዝዀነ ብምሕባር፡ ገስጋስና ብውድዓውነት እናገምገምና፡ ካብ ተመኩሮታትና እናተመሃርና፡ ኣድማዕነት ስራሕና ክነወርጽጽ ዝድርኽ ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

“ዘቤታዊ ኩነታትናን ምዕባለኡን ካብ’ቲ ንሕናን ህዝቢ ዓለምን ሃንቀው እንብሎ ርትዓዊ ኣህጉራዊ ስርዓትን ዞባዊ ናይ ምክብባርን ርግኣትን፡ ምትሕግጋዝን ራህዋን ጥምረትን ሽርክነትን ተነጺሉ ስለዘይርአ፡ ዓለማውን ዞባውን መቓኑ፡ ብውድዓዊ መወከሲታትን ተዛማድነትን ክንፈልጦን ክንርድኦን ግቡእ ዕማም’ዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንመድረኻዊ ሚዛን ኣመሪካ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መገምገሚ መወከሲታት ሰሪዕካ፣ መርትዖታት እናዋህለልካ ኣመስሪሕካ ምንባብ ከም ቅጥዒ ኣብ ምሓዝ፡ እቲ ተርእዮ ከቢድን ዝተሓላለኸን ስለዝዀነ፡ ህዉኽ መደምደምታታት ካብ ምሃብ ዝያዳ ትዕግስቲ ከምዝሓትት ኣብሪሁ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ቨነዝወላን ኢራንን ንዝተራእየ ምዕባለታት ኣመልኪቱ፡ ክምለሱ ብዝግብኦም ሕቶታት ዝተሰነየ ዓሚቚ ትንታነ ድሕሪ ምሃብ፡ ኲናት ኢራን ስሕታን-ቅማረ ዝደፍኦ ስትራተጂያዊ ጌጋ ምንባሩ ዘማትእ ስለዘይኰነ፡ ምስ ርዱእ ሓደጋታቱ ደው ኪብል ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ህዝብታት ካብ ዝላደዩሉ ብሉይ ኣህጉራዊ ስርዓት ምውጻእ፡ ግድነት እምበር ሕርያ ከምዘይኰነ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ መቐጸልታ ባርነትን መግዛእትን ዝዀነ ብሉይ ስርዓት ተኣልዩ፡ ሓድሽ ናይ ርትዕን ፍትሒን ኣህጉራዊ ስርዓት ምምጻእ፡ ዘይውንዘፍ ተልእኾ ደቂ-ሰብ ከምዝዀነ ብምንጻር፡ ከም መቐጸልታ ክብሪታት ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመዘኻኸሪ ዝኸውን፡ ኣብ መበል 80 ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ብኤርትራ ንዝቐረበ፡ ንመርሓ ጐደና ዝሕግዝ ሓሳብ ዘርዚሩ።

ንጐደቦና ብዝምልከት ድማ፡ ዓለማዊ ተኣፋፍነት ናይ’ቲ ጐደቦ፡ ምስ’ዚ ኣብ ሀርሙዝ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ዝያዳ ጐሊሑ ስለዘሎ፡ ጣልቃ ምትእትታው ዘይብሉ፣ ብውዕል ሃገራት’ቲ ጐደቦ ካብ ዝቘመ ናይ ሓባራዊ ድሕነት ኣሊያ፡ ካልእ መተካእታ “ዘራያት” ከምዘየዋጽእ ዳግም ተነጺሩ ከምዘሎን ብዕቱብ ኪጸዓረሉ ከምዘለዎን ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሶማል፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት፡ ዝያዳ ኣቓልቦን ስራሕን ከምዝሓትት ጐሊሑ ምህላዉ ብምሕባር፡ “ብሓፈሻዊ ተመሳሳሊ ባህሪያት ኪርአ ‘ንከሎ፡ ብድሆታት ህንጸት ሃገር’ዩ” ተባሂሉ ክጠቓለል ከምዝኽእልን ኪፍወስ ዘለዎ ቅልውላዋት ከምዝዀነን ጠቒሱ፡ ከም ግብራዊ ቅድመ-ኩነት ናይ ወጻኢ ምትእትታዋትን ምወላን ክቋረጽ ግድን ከምዝዀነ ኣገንዚቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዘቤታዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብቐንዱ ናይ ህዝብና መነባብሮ – ብቐዳምነት ናይ ዝተዋሰነ ከባቢታት፣ ብዓቢኡን ንሓዋሩን ግን ካብ ቁጠባ ዕንጋሎ ዘገላግለና፣ ኣፍራይነትና ዘሐይልን ምህርትና ብዘላቕነት ዘኻዕብትን ኪኸውን ከምዝዀነ ብምሕባር፡ ዲፕሎማስያውን ሓበሬታውን ግንባራት’ውን ከምዘጠቓልል ብሰፊሑ ኣብሪሁ።

በዚ መሰረት፡ ናይ ጽርግያታትን መጐዓዝያን ፕሮጀክትታትና ብኸምቲ ዝተነድፎ ኪዓቢ፣ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ማዕረ-ማዕሪኡ ኪድረኽ፣ ናይ ማይን ኤለክትሪክን ኣገልግሎታት ምስፋሕ ድማ፡ ምድንጓይ ቀረባት እንተዘይኰኑ፡ መበጋገሲ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኪዝርጋሕ ምዃኑ ብምሕባር፡ ትምህርትን ጥዕናን’ውን ድርኺት ኪግበረሎም ዓቢ ትጽቢት ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መወዳእታ፡ “ውፉይን ጻዕረኛን ከምኡ’ውን ተባዕን ተጸማምን ህዝቢ ስለዘሎ፣ ኣብ ኩሉ ልምዓታዊ መኸተ ህንጸት ሃገር ከኣ ዘይፍለ ሓይልታት ምክልኻል ከም ሕመረትን ድርዒ ጠረፍን ስለዘሎ፡ ሓበን ይልበስ” ድሕሪ ምባል፡ መሰናኽላት’ውን እንተለዉ፡ ስክፍታ የለን! ቅሰኑ! ኢሉ።

እቲ ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን፡ ከምኡ’ውን ብመገዲ ‘ደንደን ሚድያ’ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ብቐጥታ ዝተፈነወ ወግዓዊ ጽንብል መበል 35 ዓመት ናጽነት፡ ንህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፣ ሓይልታት ምድሪ፡ ባሕሪ፡ ኣየርን ፖሊስን፣ ከምኡ’ውን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝውክል ምዕሩግ ወተሃደራዊ ሰልፊ፣ ብትልሂት ዝተሰነየ ባህላዊ መደብን ሙዚቃዊ ምንቅስቓሳዊ ምርኢትን ማዕሪጉ ነይሩ።

ክልተ ክፋላት ዝነበሮን ኣስታት 3 ሽሕ ሓይሊ ሰብ ዝተሳተፎን ባህላዊ ምርኢት ድማ፡ ሓደስቲ ደርፍታትን ትልሂትን ማእከል ዝገበረ ስነ-ጥበባዊ ምርኢት፣ ከምኡ’ውን ንጸሓይ ማእከል ስሕበት ዝገበረ፡ “ተውለ ንልምዓትን መኸተን ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ጥበባዊ ስራሕ የጠቓልል።

ኣብ መወዳእታ፡ ንሰማያት ኣስመራ ብሕብራዊ መብራህቲ ዝዀልዐ ርሽት፡ መዛዘሚ ወግዓዊ ጽንብል መበል 35 ዓመት ናጽነት ኰይኑ።

Fonte: Shabait

Faça um comentário