Compartilhar
ላዕላዩ ዝተዘርገ፡ ታሕታዩ ነይጸሪ!
ርእሰ-ዓንቀጽ
ላዕላዩ ዝተዘርገ፡ ታሕታዩ ነይጸሪ!
ስርዓት ብልጽግና፡ ወግሐ-ጸብሐ ብልሳናት ላዕለዎት ፖለቲካውያንን ወተሃደራውያንን ሓለፍቱ፡ “ሕቶና ተጠቃምነት ወደብ ዘይኰነ፡ ምውናን ወደብ’ዩ” እናበለ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ንምውራር ብተደጋጋሚ ኣብ ዘጉባዕብዓሉ ዘሎ እዋን፡ “ኢትዮጵያ ወናኒት ባሕሪ ከምዝነበረት” ዝሕመረቱ ጽውጽዋይ እናደጋገመ ብምግዋሕ፡ ዝምቡዕ ትረኻ ክጸዊ ዘይፍንቅሎ እምኒ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።
ላዕለዋይ ሓለቓ ሰራዊት ናይ’ቲ ስርዓት – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብ13 ሕዳር ንወከልቲ ህዝቢ ከተማ መቐለ ዘስመዖ መስደምም መደረ ድማ፡ ኣካልን መቐጸልታን ናይ’ዚ ብሓሶት፡ ስልበጣን ክፋእን ዝተላዕጠጠ – ዘይስሙርን ዝበለየን ዜማን መዝሙርን’ዩ።
እዚ ሕንከት ዘይብሉ ከሓዲ ስርዓት፡ ህዝቢ ትግራይ ንዝሕበነሉ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ትውፊት፡ መንነትን እምነትን ካብ ገጽ መሬት ንምሕካኽ ብእዉጅን ስቱርን እናተንቀሳቐሰ፡ ኣብ’ዚ ናይ መቐለ ኣኼባ ክሓባብል’ዩ ፈቲኑ። ንህዝቢ ትግራይ ኣብ’ቲ እኩይ ዕላማኡ ኣብ ጐኑ ንምስላፍ ያኢ፡ ከም ዝብኢ “ኣጎዛ ኣንጽፉለይ” ክብል ተሰሚዑ።
ማርሻል ጁላ ኣብ መደረኡ፡ “ካብ ትግራይ ንላዕሊ ኢትዮጵያዊ የለን ዝተባህለ ሓቂ’ዩ” ክብል ዝጀመሮ ሸሓጢ መደረ፡ “ዶግዓሊ፡ ጉንደትን ኣዱሊስን ናይ ትግራይ’ዩ” ክብል ብዘይሕንከት ወሲኹሉ። ናይ ምስፍሕፋሕ ሸውሃትን ጥሙሕን ሰልፊ ብልጽግና ዶብ ስለዘይብሉ፡ ኣብ ሶማል ንእትርከብ ወደብ ‘ዘይላ’ እውን ኣብ’ዚ ጸውጽዋይ’ዚ ብምእታው፡ ናይ ትግራይ ወይ ናይ ኢትዮጵያ መሬት ምዃና ጠቒሱ’ሎ።
እዚ ሓደገኛ ፖሊሲ’ዚ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ – ንዘመናት ተኸባቢሮም ክነብሩ ንዝጸንሑ ጐረባብቲ ህዝብታት፡ ንኣምሓራ ምስ ኦሮሞ፡ ንትግራይ ምስ ኣምሓራ፡ ንኦሮሞ ምስ ሶማል፡ ከምኡ’ውን ንትግራይ ምስ ኦሮሞ ብምንቛት፡ ኣስፋሕፋሒ ኣጀንዳኡ ንምስማርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ክኽተሎ ዝጸንሐ ጻሕታሪ ባህሪያት’ዩ። ንህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ንምግጫው ዝእለም ዘሎ ውዲት’ውን፡ ኣካል ናይ ህውከት ኣጀንዳ ሰልፊ ብልጽግና’ዩ።
እዚ መደረ’ዚ ኣብ ርእሲ’ቲ መርዛም ባህሪያቱ፡ ቅሉዕ ጥሕሰት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ’ዩ። ምስ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ-መዚን ናይ’ቲ ስርዓት ብቐጻሊ ክህብዎ ዝጸንሑ ተዅታዂ መግለጺታትን ሰራም መደረታትን ሓዊስካ፡ ስቕ ኢልካ ክሕለፍ ግቡእ ኣይኰነን። “ቀዳማይ ስሕታን – ዳሕረዋይ ዕብዳን” ስለዝዀነ።
ኣንጻር’ዚ ኩሉ መንደራጋሕ ሓሶት፡ ስልበጣን ታህዲድን ሰልፊ ብልጽግና፡ ሕጂ’ውን “ዓዲ ወዓሉ!” ንብል። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ፡ ንቐጻልን ኣዕናውን ኲናት ብዘየወላውል ቃላትን ስሙር ድምጽን ወጊድ ይብልዎ ኣለዉ።
Fonte: Shabait
