Compartilhar

ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብመንጽር ሰነዳት ኢትዮጵያ

Publicado em: 29/10/2026 04:15

ኣብ ታሪኽ ዓለምና፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረቤት ሃገር ኣፍልጦ ዝህብ፡ ብብዝሒ ወግዓዊ ሰነዳት ዝፈረመት እንተላ ኢትዮጵያ ክትከውን ትኽእል’ያ – ዝያዳ መጽናዕቲ ይሓትት። ገዛእቲ ኢትዮጵያ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብምቕባል ካብ ዝፈረሙዎ ሰነዳትን ዘሕለፉዎ ውሳነታትን ዝሃቡዎ መግለጺታትን እስከ ፍሩይ ኣብነታት ክንጠቅስ፥

1) ኤርትራ ከም ሃገር ቅድሚ ምቛማ፡ ወደብ ባጽዕ ኣብ ትሕቲ ግብጺ እንከላ፡ ንጉስ ኣቢሲንያ ሃጸይ ዮሃንስ 4ይ፣ ንግዳዊ ኣቚሕን ኣጽዋርን ብወደብ ባጽዕ ከእቱ፡ ምስ ብሪጣንያ ብ3 ሰነ 1884፡ ‘ውዕል ሀወት’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰነድ ፈሪሙ። ባጽዕ ናይ ኣቢሲንያ ከምዘይኮነት ዘመልክት ሰነድ።

2) ብ25 መጋቢት 1889 ሃጸይ ምነሊክ ንጉሰ ነገስት ኣቢሲንያ ምዃኑ ኣዊጁ። ድሕሪ ወርሕን ሰሙንን ብ2 ግንቦት 1889 ከኣ፡ ከበሳን ገማግም ባሕርን ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ግዝኣት ኢጣልያ ምዃኑ ብምቕባል “ውዕል ውጫለ” ከቲሙ።

3) 26 ጥቅምቲ 1996 – ድሕሪ ውግእ ዓድዋ፥ ምነሊክ ክንዮ መረብ-በለሳ-ሙና ዘሎ መሬትን ባሕርን ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ግዝኣት ኢጣልያ ምዃኑ ዝቕበል ንውዕል ውጫለ ዝተክአ “ውዕል ኣዲስ ኣበባ” ፈሪሙ።

4) 10 ሓምለ 1900፥ መረብ-በለሳ- ሙና ዶብ ኢጣልያዊ ግዝኣት ኤርትራን ኣቢሲንያን ምዃኑ ዘነጽር ካልኣይ ሰነድ ተፈሪሙ።

5) 15 ግንቦት 1902፥ ኣብ መንጎ’ታ ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበረት ሱዳን፡ ግዝኣት ጣልያን ኤርትራን ግዝኣት ምነሊክ ኣቢሲንያን ዘሎ ዶባት (ዶባት ምዕራብ ኤርትራ) ዘነጽር ውዕል ተፈሪሙ።

6) 16 ግንቦት 1908፥ ብምብራቕ ኣብ መንጽር ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ነዊሕ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ ግዝኣት ፈረንሳዊት ሶማሊላንድ (ጅቡቲ) ዘነጽር ሰነድ፡ ኣብ መንጎ ምነሊክን ጣልያንን ተፈሪሙ።

7) 2 ታሕሳስ 1952፥ ሕቡራት ሃገራት ብውሳነ 390 (A)V ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቁረን ወሲኑ። እዚ ውሳነ’ዚ፡ እቲ ፍሉጥ ኣህጉራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘለዎ ዕቁብ ምዃኑ ዘነጽር ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ተቐቢላ ፈሪማትሉ።

8) 11 ነሓሰ 1952፥ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ህንጻ መንግስቲ (ቅዋም) ኤርትራ ብወግዒ ተቐቢሉ ፈሪሙሉ። እቲ ቅዋም፡ ኤርትራ ነቲ ብመግዛእቲ ዝተሓንጸጸ ዶባታ ሓልያ ፡ ምስ ኢትዮጵያ ብውዕል ፈደረሽን እትነባበር፡ ርእሰ ምምሕዳራዊት ኣካል ምዃና ዘነጽር እዩ።

9) 14 ሕዳር 1962፥ ባይቶ ኤርትራ ንፈደረሽን ከፍርሶ ድሕሪ ምስግዳዱ፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ እታ ግዝኣት ጣልያን ዝነበረት ኤርትራ፡ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ክትከውን ወሲኑ። ዶባታ ግን ከይተተንከፈ ከምዘለዎ ተዓቂቡ ከምዝቕጽል ገይሩ።

10) 16 ግንቦት 1976፥ ስርዓት ደርግ፡ ኤርትራ እቲ ፍሉጥ መግዛእታዊ ዶባታ ተሓልዩ፡ መሰል ርእሰ ምምሕዳር ክወሃባ (ራስ ገዝ) 9 ነጥቢታት ዝሓዘ፡ ብሰውራ ኤርትራ ተቐባልነት ዘይረኸበ እማመ ሰላም ኣቕሪቡ።

11) 27 ሚያዝያ 1993፥ ውጽኢት ረፈረንዱም ምስ ተኣወጀ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ረፈረንደም ቅኑዕን ፍትሓዊን ምዃኑ ብምእማን ከምዝቕበሎ ኣፍሊጡ።

12) 4 ግንቦት 1993፥ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ብመሰረት ፍሉጥ ኣህጉራዊ ዶባታ፡ ኣፍልጦ ከም ዝህቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ።

13) 30 ሓምለ 1993፥ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላምን ምትሕብባርን ኣዲስ ኣበባ ተፈሪሙ። እቲ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ልኡላውያን ሃገራት ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ናጻ ተጠቃሚት ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ክትከውን ዘፍቅድ ነበረ።

14) 12 ታሕሳስ 2000፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት 1900፣ 1902፣ 1908፣ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ክወሃቦን ዳግም ክሕንጸጽን ክምልከትን፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ፈሪሙ።

15) 13 ሚያዝያ 2002፥ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብይኑ ሂቡ። ብኡ ንብኡ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሃገሩ ከም ዝተዓወተተን ነቲ ብይን ብሓጎስ ከም እትቕበሎን ብማዕከናት ዜና ሃገሩ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ዓለምን ኣፍሊጡ።

16) 4 ሕዳር 2004፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንብይን ኮምሽን ዶብ ነጺጉዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቲ ውሳነ ብመትከል ከም እተቐበሎ ብወግዒ ኣፍሊጡ፣ ትግባረኡ ንምስላጥ ድማ ብዓል 5 ነጥቢ እማመ ኣቕሪቡ።

17) ሕዳር 2007፥ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነቲ ልዕሊ 1000 ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብማንዛ ምምልካት፡ ብጂኦግራፊያዊ መራኸቢ ነጥቢታት (Coo­ordinates) እንተላይ ኣዕኑድ ዝትከለሉ ደቂቕ ዝርዝራት ኣነጺሩ 45 ካርታታት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረኪቡዎ። ንመንግስቲ ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን እውን ብተመሳሳሊ።

18) 9 ሓምለ 2018፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ከም እትቐበሎ ዘነጽር “ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣስመራ” ከቲሙ።

19) 16 መስከረም 2018፥ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣህጉራዊ ሚዛን ንክህልዎ እንደገና ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ንጉስ ቢን ዓብደልዓዚዝን ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂን፡ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ ዓብዱላሂ ቢን ዛይድ ኣናህያን ኣብ ዝተረኽብሉ ዳግም ተፈሪሙ።

20) 2 ሕዳር 2022፥ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ዓንቀጽ 8፡ ኣብ ኣህጉራዊ ዶብ ሰራዊት ናይ ምስፋርን ዶብ ናይ ምሕላውን ሓላፍነት ዘለዎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ጥራይ ምዃኑ ኣነጺሩ። እዚ ዓንቀጽ’ዚ ኣብቲ ውዕል ዝኣተወሉ ምኽንያት፡ ውዕል ኣልጀርስ ተፈጻምነት ንክህልዎን ህወሓት ንኸይዕንቅጽን ተባሂሉ እዩ።

ካልእ ዝርዝራት እውን ምውሳኽ ምተኻእለ። ኩሉ’ዚ ሰነዳት’ዚ ኣብ ከብሒ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ኩሉ ህዝባዊ መወከሲታትን ዝርከብ እዩ። ገዛእቲ ኢትዮጵያ እምበኣር፡ ንልዕሊ 100 ዓመት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝቕበል ብዙሕ ሰነዳት እናፈረሙ እዮም መጺኦም። እቲ ጸገም ዝፈረሙዎ ዘየኸብሩን ተተመሊሶም ዝኽሕዱን ምዃኖም እዩ።

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ

Fonte: Shabait

Faça um comentário