Compartilhar

ርእሰ ዓንቀጽ – ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ ብደምን ብሕግን ዝተሓጽረ ቀይሕ መስመር!

Publicado em: 09/10/2026 03:17

ስርዓት ብልጽግና፡ ኣብ’ቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ዒላማ ብምግባር ዘካይዶ ዘሎ ሰፊሕ ተጻባኢ ዲፕሎማስያውን ዜናውን ዘመተ፡ ነቲ ታሪኽ ዘይፈልጥ ሓድሽ ወለዶ ንምድንጋር፡ ኤርትራ – ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምኽላእ ብዝተፋሕሰ ውዲት “ዝተፈጥረት” ሃገር ኣምሲሉ ክጠቕሳ ይስማዕ’ዩ። ኣብ’ዚ ውዲት’ዚ ብቐዳምነት ዝኸሰን፡ ሃገራት ዓረብ ብሓፈሻ፣ እታ “ታሪኻዊት ጸላኢት” ኢሉ ዘጠመቓ ግብጺ ድማ ብቐንዱ’ያ።

ናጽነት ኤርትራ፡ ን30 ዓመታት ብዝቐጸለን ኣብ 1991 ንገዛእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብዝጸራረገን መስተንክራዊ ወተሃደራዊ ዓወት ዝተረጋገጸ’ዩ። ሕጋውነት ሕቶ ኤርትራ ንናጻ ሃገር ግና፡ ቅድሚ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ’ዩ። እንተዀነ፡ ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ተዛዘመ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝነበራ ሊብያን ሶማልያን ድማ ብፍላይ ናጽነተን ኣብ ዝረኽባሉ ዝነበራ እዋን፡ ኤርትራ ኣንጻር ድሌት ህዝባን መሰላ ንናጽነትን – ብዓሎቚ ምስ ኢትዮጵያ ክትቊረን’ዩ ተፈሪዱዋ። ብጉልባብ “ፈደረሽን” ከኣ ንዳግማይ መግዛእቲ ኣብ ትሕቲ ዘውዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣትያ። ኣብ ርእሲ’ዚ ቅሉዕ ግህሰት’ዚ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት – ነቲ ንኤርትራ መሰል ርእሰ-ምምሕዳር ዘፍቅድ ዝነበረ “ውዕል” ብምፍራስ፡ ኣብ 1962 ንኤርትራ ብሓይሊ ጐቢጣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ።

ካብ’ዚ ታሪኻዊ ክዉንነት ብምብጋስ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ንረብሓ ዓበይቲ ጂኦፖለቲካዊ ዕላማታት ዝተመንዝዐ ሕጋዊ መሰሉ ንናጽነት ንምምላስ፡ ኣንጻር ጎበጣ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ፍትሓዊ ቃልሲ’ዩ። እዚ ታሪኻውን ሕጋውን ክዉንነት’ዚ ድማ፡ ኣብ መዛግብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘየወላውል ዝተሰነደ’ዩ። ኣብ’ዚ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ እምበኣር፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ቀረባ ይኹን ርሑቕ ሞራላውን ካልእን ደገፍ ዝተነፍጎ ምንባሩ፡ ማንም ዘይስሕቶ ሓቂ’ዩ። እቲ ሕጂ ዝስማዕ ዘሎ ጫውጫውታ ምጥምዛዝ ታሪኽ ከኣ፡ “ክትበልዓ ንዝደለኻ ኣባጉምባሕሲ ዛግራ ትብላ” እዩ ነገሩ።

ኣብ’ዚ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ዓለማዊ ካርታ፡ ዘየለን ዘይነበረን ጽውጽዋይ ስለዝደረስካ፣ ምሒር ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝመጣጠር ርቡጽ ሓላማይ “መስኮት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ” ኢሉ ስለ ዘህተፍተፈ፣ ወይ ድማ ሓንቲ ሃገር ዊን ኣብ ዝበላ “ታሪኻውን ጂኦግራፊያውን ቅርበት” ኣለኒ ስለዝበለት ዝሕንጠጥን ዝጽሕተርን ናይ ርሳስ/ኩርሽ መስመር ኣይኰነን። ብኣህጉራዊ ሕግን ውዕላትን ዝተኣስረ – ጉዳይ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን’ዩ። ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ከኣ’ሞ፡ ብደምን ብሕግን ዝተሓጽረ’ዩ። ዝትንክዮ ከኣ ወይልኡ! ኣርባዕተ ነጥቢ።

Fonte: Shabait

Faça um comentário