Compartilhar
ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መኽፈቲ ሲፖዝዩም ዝኽሪ ወርቃዊ እዮቤልዩ ምምስራት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ
እዚ ሎሚ ድሕሪ 50 ዓመታት ዝዝከር ዘሎ ኣጋጣሚ፡ ሓድሽ ምህዞ የብሉን።
ቅድሚ 50 ዓመታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይዛ ሃገር ሓይሊ’ውን፡ ሃብቲ ሰብ’ዩ። ናይ ሰብ ሃብትን ሓይልን ዝራባሕ ከኣ፡ ብፍልጠት፡ ትምህርትን ተመክሮ ስራሕን’ዩ። ሎሚ ኸኣ፡ ነዚ ሓድሽ ምዕራፍ ንኸፍቶ ዘሎና፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ዝተመስረተ ናይ 50 ዓመታት ዝኽሪ’ዩ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ንዅሉ ህዝቢ ኤርትራን ንዅሎም ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን እንቋዕ ኣብ’ዚ ኣብጸሓና።
ካብ’ዚ ንቕድሚት ኣብ’ዘን ሓጸርቲ ዓመታት ጥራይ እቲ እንደልዮ ክንበጽሕ፡ እቲ ዝዕንቅፈና ክንኣሊ፣ ልዕሊ ኵሉ ከኣ ከነረጋግጽ ምእንቲ፡ ሓይሊ ሃብቲ ናይዛ ሃገር ካብ ህዝቢ ብህዝቡ፣ መራብሒኡ ትምህርትን ፍልጠትን ስራሕን ስለዝዀነ፡ ኣብ’ዚ ምትኳር ከድሊ’ዩ።
የቐንየለይ።



Fonte: Shabait
