Compartilhar

ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስነ-ስርዓት መመረቕታ መበል 38 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት

Publicado em: 14/07/2026 04:24

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን! ተመረቕቲ 38 ዙርያ፣

ወለድን መምህራንን ኣለይትን – ዮሃና!

ቅድሚ ናብዛ ሓጻር መልእኽቲ ምስጋረይ፡ ስለ’ቲ መሳጢ፡ ቀስቃሲ፡ ድርዒ፡ ሞራል፡ መሰናድኦኹም ልዑል ምስጋና። ኣገናዕ! ኣገናዕ! ኣገናዕ!

እዛ ዕዝዝቲ ማሕላኹም እትእዉጁላ ዕለት፡ ኣገዳሲት መድረኽ ኣብ ህይወትኩም እያ። ውጽኢት ፈተናታት ብዘየገድስ፡ ኣካዳምያዊ ጉዕዞ ብዝሓየለ ድርኺት ክቕጽል ስለዘለዎ፡ ቀዳምነታትኩምን ኣተኩሮኹምን ዓይነታዊ ፍልጠት ኣብ ምድላብን፡ ብዘይስልኪ ስራሕን ተመኩሮን መሃዝነትን ኣፍራይነት ፍልጠትኩም ኣብ ምዕባይን ክኸውን ግቡእ እዩ።

 

ተበግሶታትኩም፡ ኣብ ናይ ነብስኹም መጻኢ ዕብየትን፡ ኣብ ቅሳነትን ራህዋን ቤተሰብን ሃገርን ዝህሉዎ ዕዙዝ ኣበርክቶ ምግንዛብ ከቢድ ሕልናዊ ሓላፍነት ዘሰክም እዩ። ስድራን ቤተሰብን ሚኒስትሪ ትምህርቲን ብፍሉይ፡ ኣብ ኣካዳምያዊ ጉዕዞኹም ዝግባእ ምክትታልን ደገፍን ክገብሩ ከኣ ምዝኽኻር ዘየድልዮ ግድነት እዩ።

ኣብ እተካይድዎ ዘይሕለል ትግሃት፡ ዓወት ክትጐናጸፉ፡ ስድራን ሕብረተሰብን መምህራንን ኣለይትን እውን፡ ኣብ ዝህቡዎ ደገፍ ኣሳልጦን ሰናይ ምንዮትን።

ዝኽሪ ሓበን ንሰማእታትና!
ዓወት ንሓፋሽ!

Fonte: Shabait

Faça um comentário