Compartilhar
ብምኽንያት ወርቃዊ እዮቤልዩ ምምስራት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ፡ ኣብ ኣስመራ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ።
ብምኽንያት ጽንብል ወርቃዊ እዮቤልዩ – ዝኽሪ 50 ዓመት ምምስራት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ፡ ሎሚ 18 መስከረም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ፡ ኣብ ቀንዲ ጎደናታት ኣስመራ፡ ምዕሩግ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ።
እዚ ብምትሕብባር ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ምምሕዳር ዞባ ማእከልን ተወዲቡ ዝተኻየደ መደብ፡ ካብ ጎደና ሰማእታት ተበጊሱ፡ ብጎደና ሓርነት ኣቢሉ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም’ዩ ተዛዚሙ።
ኣብ’ዚ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ዝቐጸለ ካርኒቫል፡ ብባህላዊ ኣልባሳት ብሄራትና ዝማዕረጉ ልዕሊ 10 ሽሕ ነበርቲ 13 ንኡስ ዞባታት ማእከል፣ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ትምህርቲ ዶ/ር ሓሊማ መሓመድን ዝመርሕዎም ኣስታት 500 ተመሃሮ፡ መምህራንን ኣለይትን ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝነበሩ ተሳቲፎም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ተደኲናትሉ ናይ ዝነበረት ቦታታት ኣስማት ዝሓዜ ታቤላታት፣ ብውክልና ዝቐረበ – ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ብብዝሒ ዝነጥፉሉ ዝነበሩ ዓውድታት ዘርኢ ሰልፊ፣ ከምኡ’ውን ምስሊ ቤት-ትምህርቲ ሰውራን ቀያሕቲ ዕንበባን ዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ንምርኢት ቀሪቡ።

ብ17 መስከረም ብስእላውን ንዋታውን ምርኢት ዝጀመረ መደባት ዝኽሪ 50 ዓመት ምምስራት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ፡ “ዕዙዝ ዝኽሪ ንሓድሽ ወፍሪ ህንጸት ሃገር” ብዝብል ቴማ፡ ክሳብ 20 መስከረም ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ክቕጽል’ዩ።
Fonte: Shabait
