Compartilhar

 ደጊፎም እንተላሃዩዋ፡ ዘላ መሲሉዋ!

Publicado em: 15/10/2026 05:10

 

ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ሸሞንተ ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ ስርዓት ብልጽግና፡ ድሕሪ ምዝዛም ናይ’ቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ባዕሉ ኣብ ዘንቀዶ ወተሃደራዊ ዕንደራ’ዩ ተጸሚዱ ጸኒሑ። ኣብ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂ፡ ዕጥቅን ተተኰስትን፡ ከምኡ’ውን ስልጠና ሰራዊት ገዚፍ ወጻኢታት ክገብር ምጽንሑ፡ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። እዚ ወጻኢታት’ዚ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ዝጻወሮ ስለዘይኰነ፡ ብደገፍ ናይ’ቶም ነዚ ዞባን ጸጋታቱን ንምቊጽጻር ሕቡእን እዉጅን እኩይ ኣጀንዳታት ዘለዎም ሓይልታት’ዩ ተገይሩ። ስርዓት ብልጽግና፡ ዕሱብን መጋበርያን ጥራይ’ዩ።

ነዚ ዝድርዕ ኣብነታት ምስ እንርኢ፦

ኣብ ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይ 2026 ጥራይ፡ ስርዓት ብልጽግና – ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲታቱ ንዝተፈጥረን ስልጣኑ ንምድልዳል ኰነ ኢሉ ንዘሳወሮን ውሽጣዊ ግጭታት፡ ከምኡ’ውን ንጐረባብቲ ሃገራት ብምትንዃይ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ዝውዕል፡ ኣጽዋርን ተተኰስትን ዘጠቓልል ጽዕነት ናይ 365 ነፈርቲ ወ ተሃደራዊ ንዋት፡ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተቐቢሉ።

እቲ ስርዓት ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት – ካብ ሓያሎ ለገስቲ ብድምር ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ግዳማዊ ፋይናንሳዊ ሓገዝ’ዩ ረኺቡ። እዚ ዓቃባዊ ገምጋም’ዩ።

ክዉንነት ኢትዮጵያን ህዝቢ ኢትዮጵያን ግና፡ ካልእ’ዩ። በዚ ንህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ዘይህብ ዓንዳሪ ኣካይዳ፡ እቲ ኩነታት ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ እናንቈልቈለ ብምምጽኡ፡ ኣስታት 21.4 ሚልዮን – ሓደ ሕምሲት ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ወዲቑ፡ ህላወኡ ኣብ ሰብኣዊ ትኳቦ ዝተመርኰሰ ኰይኑ’ሎ።

ብሓጺሩ፡ ቀዳምነታት ምስሉይ ስርዓት ብልጽግና፡ ንጹር’ዩ። ብዋጋ ድሕነት ዝበዝሐ ህዝቢ ኢትዮጵያን ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን፡ ግጭት ብምስዋር ንግዳማዊ ኣጀንዳታት ምግልጋልን ደቂቕ ክንስኻ ፍሩይ ክትመስል ምምጥጣርን’ዩ። ኣብ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራን ሱዳንን ዝገብሮ ዘሎ ወጠምጠም፡ ናይ’ዚ መርኣያ’ዩ። “ደጊፎም እንተላሃዩዋ፡ ዘላ መሲሉዋ” ዝብሉኹም፡ ከም’ዚ ናይ ስርዓት ብልጽግና ሃለዋት’ዩ።

Fonte: Shabait

Faça um comentário