Compartilhar
ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ምልዓል እገዳ”
ኣብ’ዚ፡ እቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንዐ ዘይምኽኑይ እገዳታት ንኽለዓል ስጒምቲ ናይ ምውሳድ ተገዳስነት ከምዘሎ ዝእመተሉ ዘሎ ህሞት፡ ንታሪኽን ነቲ ዝበሃል ዘሎ ቅኑዕ ኣንፈት ንምትሓዝን፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ዕቱብ ገምጋም ምክያድ ኣገዳሲ’ዩ።
ኣብ መወዳእታ 2009፡ ኣብ ቅንያት ‘ክሪስማስ’፡ ምምሕዳር ኦባማ ዝፈብረኮን ዝደፍኣሉን፡ ዝዀነ ጭብጢ ወይ መርትዖ ዘይነበሮ፣ ዝዀነ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ዓላቚ እገዳ፡ ብስም ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተበዪኑ። መጐታዊ ኲነኔና፡ ሽዑ ኣዊጅና።
እቲ ዝገርም፡ ሽዑ – ናይ ፈደረሽን ሩስያ ወኪል ኣብ ኒውዮርክ፡ ንናይ ምምሕዳር ኦባማ ዓሎቕ ብሙሉእ ኪድግፍ ከሎ፡ ናይ ቻይና ወኪል ከኣ ስማዊ ‘ኣብስተንሽን’ ኣብ’ቲ ግሁድ ዓሎቕ ኣመዝጊቡ።
ድሕሪ ናይ 9 ዓመታት ኣዕናዊ ሳዕቤናት’ቲ ዓላቚ እገዳ፡ ኣብ 2018 “እገዳ ይለዓል ኣሎ” ምስ ተባህለ’ውን፡ ዋላ’ኳ ደንጒዩ ዝመጸ እወታዊ ስጒምቲ እንተነበረ፡ “የቐንየልና” ኣይበልናን። ምእንቲ ሓቂን ፍትሒን ክረጋገጽ፡ “ብቐደሙ ስለምንታይ እገዳ?” ኪምለሽ ኢና ጠሊብና። ዛጊት ከኣ ኣይተመለሸን። ንሸባብ ዝድግፍ ዝነበረን ዘሎን መን’ዩ? ናይ ዓላቚ እገዳታት ተሓታቲ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይቕረብ!
ከም መቐጸልታ ዝምቡዕ ሕርያታት፡ ምምሕዳር ባይደን ንኣመሉ፡ ኣብ 2021 ዓላቚ ዘይሕጋዊ በይናዊ እገዳታት ወሲኑ። ጭንቀትን ቅርሕንቲን ዘበገሶ ዓሎቚ’ዩ ነይሩ። ኣብ ሰዓቱ ኸኣ ተዀኒኑን ተመኪቱን።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ምምሕዳር ባይደን ዝበየኖ ዓልቊ እገዳ ተላዒሉ ተባሂሉ። ደጊምና ፍትሒ ይረጋገጽ። ደግሲ ባይደናት ከይመላለስ፡ ፍወሳ ዝምቡዕ ፖሊሲታት ይገበር።
ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ፡ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተበየነ ዘይሕጋዊን በይናዊን እገዳታት ኣብ ቀረባ ግዜ ክለዓል’ዩ ዝብል ጸብጻባት ኣሎ። እዚ ስጒምቲ’ዚ፡ ነቲ ግጉይ ፖሊሲታት ብዘላቕነት ብምእራም፡ ፍትሒ፡ ሕጋውነትን ርትዒን ዘረጋግጽ ክኸውን ተስፋ ንገብር።
ሚኒስትሪ ዜና
ኣስመራ
6 ግንቦት 2026
Fonte: Shabait
