Compartilhar

ሓሳውን ቈርበትን እናሓደረ ይፈኵስ!

Publicado em: 24/10/2026 05:48

ሰብ ምሉእ ሰብ ዝገብሮ፡ ኣብ እምነቱ፡ መርገጺኡን ክብረቱን ጸኒዑ ክነብር ከሎ’ዩ። መርገጺኦምን እምነቶምን ምስ ዝነፈሰ ንፋስን ምስ ዝተፈጥረ ኩነታትን – ከም ወቕትን ዓውደ-ኣዋርሕን ዝለዋወጥ ሰባት፡ ኣዝዮም ሓደገኛታት’ዮም። ብምቾት፡ ህቡብነት፡ ግላዊ ረብሓን ካልእን ብቐሊሉ ስለዝሰድዑ፡ ናይ ሞራል ብሶላ (ኮምፓስ) የብሎምን። ሓደ ካብ’ዞም በዚ ባህሪያት’ዚ ዝልለዩን ዝሳቐዩን፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ካብ ሓደ ጫፍ ናብ’ቲ ኣንጻሩ ጫፍ ክገላበጥ ዝተራእየን ጽኑዕ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘይብሉን ጌታቸው ረዳ’ዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ከኣ፡ ወግሐ-ጸብሐ፡ ናይ ሓሶት ትረኻታትን ክስታትን እናቕረበ፡ ኣንጻር ኤርትራ ናይ ሓሶት ዘመተ ብምክያድ ንኲናት ኣብ ምጉስጓስ ተጸሚዱ ይርከብ።

እዚ ንባዕሉ ጻህያይ ክንሱ፡ ብዛዕባ’ቲ ጻህያይ እናበለ ክጸርፎ ዝውዕልን ዝሓድርን ዝነበረ መራሒ ብልጽግና ካብ ዝበሎ ንምዝኽኻር፦

  • “ኣብይ ኣሕመድ ድንኪ’ዩ። ናይ ፖለቲካ ድንኪ፡ ናይ ኩሉ ነገር ድንኪ’ዩ። ኣብ ንቡር ዓዲ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ናብ ማይ-ጨሎት ክኸይድ ወይ ኣብ ሆስፒታል ሕሙማን ኣእምሮ ክኣቱ ዝግብኦ ሰብ’ዩ።”
  • “እዚ ሰብኣይ [ኣብይ ኣሕመድ]፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከሎ፡ ‘ኣደይ ንጉስ ክትከውን ብሕልሚ ርእየ ኢላትኒ’ ኢሉ ዝዛረብ ሰብ’ዩ። ነጊራቶ ትኹን ኣይትኹን ኣይፈልጥን። ነዚ ዝዕንቅፍ ድማ ሰብ ኮይኑ ኣይስምዖን’ዩ። ባዕሉ ዝነገረኒ’የ ዘዕልለኪ ዘለኹ። ኣምሓራ’ኳ ልክዖም መትሓዝክዎም ነይረ። ኦሮሞ ኣብ ዝበጽሕዎ የብሎምን። ንስኹም ኢኹም ተሸግሩኒ። ህወሓት’ውን ኣይኮነን፡ ህዝቢ ትግራይ’ዩ ዘሸግረኒ ዝብል ሰብ’ዩ። እዞም ሰባት ተኣኻኺቦም ‘ከነፍርሶ ኣለና’ ዝብልዎ ህዝቢ ትግራይ’ዩ። ናይ ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ መዋቕራት ምድምሳስ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ርእሱ ኣድኒኑ ከምዝኸይድ ንምግባር’ዩ። ዝተንበርከኸ ህዝቢ ትግራይ’ውን ሽግር ክፈጥር ስለዝኽእል፡ ትግራዋይ ከም ህዝቢ ክጠፍእ ኣለዎ’ዮም ዝብሉ።”
  • “ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ንዘተ ወይ ንዝርርብ፡ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ወይ ዕላማ፡ ኮፍ ምባል ናይ ነውሪ ነውሪ’ዩ።”
  • “ኣብይ እንተዘየደናጊሩ ዓዲ ክመርሕ ኣይክእልን’ዩ።”
  • “ትምህርቲ ተማሂሩ ዘይፈልጥ ሰብ PhD ኣለኒ ኢሉ እንተኣሚንካዮ፡ ዝኣመንካሉ ምኽንያት ንኽትሓትት ግዜ ስለዘይህበካ’ዩ።”
  • “ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ብገለ ንእሽቶ ኣጋጣሚ ብጌጋ ኣብ ዝለዓለ ቦታ በጺሖም ዓበይቲ ሓደጋታት ናይ ዘብጽሑ ሰባት ኣብነት እንተደሊኻ፡ ኣብይ ኣሕመድ’ዩ።”
  • “ኣብይ ኣሕመድ ናይ ሃገር ክሕደት ቀንዲ ኣብነት’ዩ። ስለዚ፡ ኣብይ ብዛዕባ ሉኣላውነት ክዛረብ ዝኾነ ሞራላዊ መሰረት የብሉን።”
  • “ትግራይ ሃገር’ያ ኢሎም ክሓስቡ ዝደልዩ ብዙሓት ሰባት ከምዘለዉ ይፈልጥ’ዩ። ኣነ’ውን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ክሞቐኒ ከሎ [ክሰክር ከለኹ] ከምኡ እሓስብ’የ።”
  • “ነዚ ጸረ ህዝቢ፡ ኣተግባሪ ኣጀንዳ ኣብይ ኣሕመድ ዝኾነ ሰራዊት፡ ዝነበረቶም ንኡሽቶ ትበሃል ናይ ውትህድርና ፍልጠት ጠፊኣቶም፡ ናይ ሓደ ተራ ዕቡድ ትእዛዝ እናተቐበሉ፡ ህዝቢ፡ መንእሰያት ዘወድኡ ብዓል ብርሃኑ ጁላ፡ ቀይሕ ቆቢዕ ስለዝኸደንካዮም ንፉዓት ተዋጋእቲ ኣየብሎምን’ዩ። ብኣንጻሩ ንዕላማ (ታርጌት) ምቹኣት’ዮም።”
  • “ኣብይ ኣሕመድ፡ ‘እዞም ጻህያይ’ ይብል’ዩ። መን ጻህያይ ከምዝኾነ ክንርእዮ ኢና። ኣቢ’ዩ ጻህያይ። ኣብ’ዚ ሃገር ዝበቘለ ጻህያይ ኣቢ’ዩ።”

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ብዓል ዘይተገርሐ መልሓስ፣ ዘይውርዙይ ውልቀ-ሰብ፡ እዞም ናይ ሕጂ ጎይቶቱ ንሕሉፍ ባህሪያቱ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንግዚኡ ተጠቒሞም ክሳብ ዝጉሕፍዎ’ምበር፡ ልቦም ኣውዲቖም ከምዘይኣምንዎ፡ መን ክደናገር ይኽእል!

Fonte: Shabait

Faça um comentário