Compartilhar

መልእኽቲ ህዝባዊ ግንባር ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም 2026

Publicado em: 01/09/2026 05:16

ባሕቲ መስከረም 1961፡ ዕለተ ብስራት ንታሪኻዊ ሕርያ ህዝቢ ኤርትራ – ምስግጋር ናብ ዕጥቃዊ ተጋድሎ’ያ። መሰል ርእሰ-ውሳኔኡ ብጎበጣ ተረጊጹ ክጭፍለቕ፡ ግዳይ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት ርእሰ-ሓያላን ክኸውን ናይ ዘይፈቐደ ህዝቢ ዝለዓለ መልክዕ ግብረ-መልሲ ተቓውሞን መግለጺ ቅባጸት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስን’ያ ዝነበረት። ቅድሚ 65 ዓመታት ዝተስገደደ ከቢድ ሕርያ ይኹን’ምበር፡ ንሰለስተ ዕቑድ ብደምን ረሃጽን ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኽልተ ስርዓታት ኢትዮጵያ – ሃይለስላሴን ደርግን – ዝበራረዩ ዘራያቶምን ብሓይሊ ስዒሩ፡ ብሕጊ መሰሉ ዘረጋገጸ ዕዉት ሰውራ ንሓርነት’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ምህናጽ ከም ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝበለ፡ ኣሳታፊ ሰውራዊ ሃገራዊ ውድብ፡ ኣብ ምንጻር ሃገራዊ ፕሮግራም፡ ምልላይ ውፉይ መሪሕነት ዘሕለፎ ቃልስን ዘመዝገቦ ዓወታትን፡ ብመስፈር ግዜ ኣብ እዋኑ ጥራይ ዘይሕጸር፡ ስግሩ ኣብ ምህናጽን ምኽባርን ልኡላውነት ኤርትራ ዘገልግል፡ ውዳበ፡ መሪሕነትን ክብርታትን ከሲቡ’ዩ። ብጂኦግራፍ’ውን ኣብ ኤርትራ ከይተደረተ፡ ብጽልዋን ግብራዊ ምትሕግጋዝን፡ ንፍትሓዊ ቃልሲ ውጹዓት ህዝብታት ከባቢና ጸወንን ኣብነትን ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ተመክሮ’ዚ ካብ ግዳማዊ ምሕንካር ኣናጊፉ፡ ናብ ሰላማዊ ናይ ምትሕግጋዝን ምምልላእን ሃዋሁው ክወስደና ይኽእል’ዩ።

ሎሚ፡ ዘይፈገዱ፣ ስዕረት ዘይተዋሕጠሎም፡ ሕልሚ ምስፍሕፋሕ ዝደገሶም፡ ንሓደስቲ ጎይቶት ከገልግሉ ሴፍ መዚዝካ ምንብጥባጥ ዝብረሆም ዘሎ፡ ኲናት ዘሳሕዮም ዘሎ፡ “ኣይፋልኩምን፡ ንቐዳሞት ዝለከመ ምርጫ ኣይትድገሙ”፡ መልእኽቲ መስከረም’ዩ።

ዓወት ንሓፋሽ!

Fonte: Shabait

Faça um comentário