Compartilhar
መልእኽቲ ሚኒስተር ትምህርቲ ዶር. ሓሊማ መሓመድ ኣብ መኽፈቲ ሲፖዝዩም ዝኽሪ ወርቃዊ እዮቤልዩ ምምስራት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ
ክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ብጻይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡
ዝኸበርኩም ሚኒስተራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን ሃገራውያን ማሕበራትን፡ ዲፕሎማሰኛታትን ክሉኹም ተሳተፍቲ ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ደቂ ዓባይ ድስትን፡ እንቋዕ ኣብ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮበሊዩ ምምስራት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ‘ረዚን ዝኽሪ፡ ንሓድሽ ወፍሪ ህንጸት ሃገር’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ከነብዕል ኣብቃዓና።
ቅድሚ 50 ዓመት ነዚ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ቅዱስ ሕልሚ ሓሊሞም፡ ንሕልሞም ክዉን ክኸዉን ከይተጻዕቱ ሰሪሖም ዕላማ ዘለዎም ብቑዓት ሃገራውያን ክንከዉን ዘኽኣሉና፡ ሓሰብቲ ናይ ሽዑ መንእሰያት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ክሉኹም መማህራንን ኣለይትን ሓካይምን ቤት ትምህርቲ ሰውራን እንቋዕ መጎሰኩም ክብል ፍቀዱለይ።
ቀጺለ ክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ እቶም ናይ ቅድሚ 50 ዓመት ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮይንካ ክሹኽ ኣብ ክሳድካ ጠምጢምካ ዘተባባዕካዮም ህጻናት ገድሊ፡ ሎሚ ጎቢዞም ኣያታትን ኣቦታትን ኮይኖም ኣጆኻ ኣብ ጎድንኻ ኣሎና፡ ኣብ ዕላማና ኣሎና ይብሉኻ ኣለዉ እሞ ደስ ይበልካ ክብሪ ኸኣ ይሰመዓካ። ኣብዛ ህሞት`ዚኣ እቶም ዘራኦን ዓጻዶን ኣብ ሓደ ቅርዓት ተኣኪብና ምህላውና ብፍሉይ ትዝከር ዕለት ኮይና ትስምዓኒ።
ብምቕጻል፡ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብውዕዉዕ መንፈስን ግብርን ኣብ መላእ ኤረትራን ኣብ ወጻኢ ኤረትራውያን ዝርከብዎ ቦታታትን ብምዕሩግ ኣጋባብ፡ ተዘክሮታት ኣሓዲሱ ኣብ መንእሰያት ቅዱስ ቅንኢ ብዘሕድር መሰናድኦታት ክባዓል ክዉን ስለ ዝገበርኩም ኩሉኹም ተሳተፍቲ ብስም ሚኒስትሪ ትምህርቲ ደረት ዘይብሉ ምስጋናይ ይብጻሕኩም።
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተጋባእቲ ረዚን ዝኽሪ፡ ንሓድሽ ወፍሪ ህንጸት ሃገር
- ስለምንታይ ኢና ንቤት ትምህርቲ ሰውራ ክሳብ ክንድ’ዚ ክብሪ ሂብና እንዝክራ? ዝብል ሕቶ ክምልስ ኣፍቅዱለይ፡
እቲ መልሲ ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ንመግዛእቲ ግድን ክስዕር ዝነበሮ፡ ብሓቀኛ መስርሕ ናይ ህዝባዊ ቃልሲ ኣቢሉ፡ ንኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ዝሰዓረ ዝተናወሐ ቃልሲ ንምዝካር ኣገዳሲ ስለዝኾነ’ዩ። ብቅኑዕ፡ ንቑሕን፡ ዕጡቕን ሰውራዊ ጽንዓትን ተወፋይነትን ከኣ፡ ንጸላእቱ ኣረብሪቡ ናጽነቱ ንምርግጋጽ ዝተበገሰ፡ ዝቐጸለን፡ ዝተዓወተን፡ ሕጂ ድማ ብህድኣት ዝስጉም ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሸነኽ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ መስመር ናይ ሓርነታዊ ጉዕዞ ክንዝክር ኣገዳሲ ስለዝኾነ ኢዩ።
- እቲ ቀዳማይ ገጽ ዝኽሪ ናይ ቤ/ትምህርቲ ሰውራ፡ ንሰውራ ዝምልከት’ ኢዩ። ሰውራዊ ናጽነት ቀጻልነቱ ዝረጋገጽ፡ ብወለዶታት ውሕስነት ምስ ዝረክብ ጥራይ ሰለዝኾነ፡ ንዝተናውሐ ገድሊ ዘቐጽል ናይ ምቅላስ ዓቕሚ፡ ብኩሉ መዳዩ ዘበርኽ ትምህርታዊ መደብን ውዳበን ናይ ምፍጣር ዕላማ ኮይኑ፡ ኣብ ጽንኩር እዋን እውን እንተኾነ ናይ ምሕብሓቡ ሓላፍነት ይጽናሓለይ ዘይበሃል ናይ’ቲ ግንባር ራእይን ግብራዊ ስራሕን ጌርካ ምውሳድ’ዩ።
- እቲ ካልኣይ ገጽ ድማ ንዜጋታት ብንቕሓትን ክእለትን ምድላው ኢዩ። ናጽነት ክዉን ምግባር ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ ስለዝነበረ፡ መበገሲ ናይ ኤርትራዊ ትምህርቲ ብሓቀኛታትን ውፉያትን ንኣሽቱ ዜጋታት ብምጅማር፡ ወትሩ ንጥቕሚ ሓፋሽ ዘቐድሙ ተማሃርትን ኣገልገልቲ ህዝቢ ምፍራይ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ስለዚ፡ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ካብ ስማ ጀሚራ ንሰለስተ ኣምራት ሒዛ’ያ ተበጊሳ።
- እቲ ቀዳማይ ብዛዕባ ሰውራውነት ኮይኑ፡ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ፡ ሰውራዊ ስለዝኾነ ኣብ ስማ ብንጹር ክንጸባረቕ ነይርዎ፡ ስለዚ እያ ድማ ሰውራዊ ክብርታት ሃኒጻ
- እቲ ካልኣይ ንትምህርታዊ ስራሕ ዝምልከት ኮይኑ፡ እታ ቤ/ት ዕላማኣ ብብሉጽ ትምህርታዊ ተመክሮ ዝተኾስኮሱ ቅኑዓትን ውፉያትን ዜጋታት ንምህናጽ ስለዝኾነ፡ ‘ትምህርቲ’ ዝብል ኣምር ኣገዳስነቱ ኣብ ስማ ተማእኪሉ ክውረቕ ነይርዎ፡
- እቲ ሳልሳይ ድማ፡ ንመዕቆቢ ቦታ ዝምልከት ኮይኑ፡ ወላው’ን ኣብ’ቲ ዝጸንከረ እዋን፡ ብስሩዕ ኣገባብ ንትምህርቲ ዝኸውን ምቹእ ናይ ተዛማዲ ቅሳነት ባይታ ዝፈጥር ‘ቤት’ ዝብል ናይ ዋንነት ኣምርን መጸውዒን ደሚቑ ክህልዋ ስለዝነበሮ ኢዩ።
በዚ ድማ እታ ቤት ትምህርቲ፡ መበገሲን መዕቆብን ሓቀኛ ኤርትራዊ ትምህርቲ ኮይና ‘ቤት ትምህርቲ ሰውራ’ ተሰይማ። ከም ስማ ኸኣ፡
- መውሓሲት ኤርትራዊ ሰውራዊ ገድሊ ኮይና፡
- መፈልፈሊት ነዚ ሎሚ ኤርትራዊ ኢልና እንሕበነሉ ዘሎና ስርዓተ-ትምህርቲ ኮይና፡
- ኣብነትን ኮስኳሲትን መንነትና፡ ስነ-ምምህርናዊ ፍልስፍናን ግብርናን ኮይና ከኣ ፍርቂ-ዘመና ነብዕለላ ኣሎና።
ሎሚ ክንዮ’ቲ ዝጠቕስናዮ ዕላማታት፡ ኣብ ሳሕል መበል ዓሰርተ-ዓመት፡ ኣብ እዋን ናጽነት መበል ዕስራን-ሓሙሽተን ዓመት፡ እንሆ ሕጂ ድማ መበል 50 ዓመት ምምስራት ሰውራዊ ዕላማ ትምህርታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር፡ ትምህርቲ ንጥቕሚ ሓፋሽ መታን ክውዕልን ከገለግልን፡ ኣብ ነብሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዝርከቦ ዓዲ ትዝከርን ኤረትራውያን ንዕላማ ትምህርቲ ሽቶኡ ክወቅዕ ካብኦም ዝሕተት ክገብሩ፡ ንስለ ሃገር ዝሓለፉ ጀጋኑና ኸኣ ብትምህርቲ ክድብሱ መጻኢ ወለዶ ብትምህርቲ ሃገር ክሃንጽ መብጽዓና ነሐድስ ዘለና።

በዚ ኣጋጣሚ ድማ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብዘን ዝስዕባ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣተኩሩ ክሰርሕ ምዃኑን ተመክሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ምምሕያሽ ብቕዓት ትምህርትን ምቕስቃስ ወኒ መማህራንን ተማሃሮን ክጉስጉሰሉን ክሰርሓሉን ምዃኑ ክገልጽ እፈቱ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ትምህርታዊ ኣቕርቦት ብዝገርም ዝርጋሐ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ናይ ሃገርና ዓብዩ እኳ እንተሃለወ፡ ተማሃሮና ከምቲ ናይ ቤ/ት/ሰውራ ብሃገራውነት፡ ብጠባይ፡ ብባህልን ኩለንተናዊ ትምህርታዊ ትሕዝቶን፡ ብደረጃ ይኹን ብዓይነት መታን ክበቕዑልና ኣብ እነካይዶ ዘለና ገስጋስ ዘጋጥሙና ዘለዉ ዓበይቲ ግን ከኣ ክንሰረሓሎም ዘለና ብድሆታት ክጠቅስ ክፍትን`የ።
- ናይ ቅድመ-ትምህርቲ መደባት ብሰፊሕ ተዘርጊሑ እኳ እንተሃለወ ንዝተፈላለዩ ዓቕሚ-ሰብ፡ ንዋትን ህንጻታትን ዝምልከቱ ሕጽረታት ኣዝዮም ሓነቕቲ ኮይኖም ኣለዉ፡
- ኣብ ኩሉ ደረጃታትን ዓይነታትን ትምህርቲ ንብቕዓት መምህራን ዘበርኹ፡ ወኒ ስራሕን ሞያዊ ፍቕሪ ዝኹስኩሱ መደባት ካብ ቀዳምነታትና እዮም።
- ሕጽረት ናይ ኣደ ቋንቋ መምህራን መሰረታዊ ኣድህቦ ዝሓትት ኮይኑ፡ መሰረታዊ መፍትሒ ኸኣ ኮለጅ ትምህርቲ ምክፋትን ምሕያልን እዩ።
- ኣብ ኩሉ ትምህርታዊ ስራሓትና ጉዳይ ምምልማል ብቑዓት ሓለፍትን ምምዕባል ትካላዊ ዓቕምን መሰረታዊያን ማሕንቖታት ኮይኖም ዓቢ ስራሕ ዝሓቱና እዮም
- ኣድህቦና ኣብ ቴክኒካዊን ሞያዊን ትምህርቲ ልዑል’ኳ እንተኾነ ብኩሉ መዳዩ ትሑት ስለ ዘሎ ብዝላዓለ ክስራሓሉ
መንግስቲ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኸኣ ብፍሉይ ኣብ ኩሎም ዝተጠቕሱ ብድሆታት ዝከኣሎም ይገብሩኳ እንተሃለወ፡ እቲ ጻዕሪ ከድምዕን፡ ብፍላይ ብቑዓት ዜጋታት ኣብ ምፍራይ ክንዕወትን፡ ተራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝብናን፡ ተራ ኣህጉራዊያን መሻርኽትናን ክሕወሶ ግድን ክኸውን ኢዩ። ብወገን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንሓባራዊ ጻዕርን ሽርክነትን ክውድብን ከረጋግጽን ጀሚርዎ ዘሎ ስራሕ ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ድማ አረጋግጽ።

ከምቲ ኣብ ዝጸንከረ እዋን፡ ንትምህርታዊ ዕላማ ዝተዓውትናሉ፡ ሕጂ እውን ኩሉ ሃገራዊ ዕላማታትና ብብቑዕ ትምህርቲ ከነሰንዮ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ። መበል ሓምሳ ዓመት ጽምብል ምምስራት ቤ/ት/ሰውራ ከምቲ ቴምኡ ዝእምቶ ካብ ዝኽሪ ሓሊፉ፡ ንሓዲሽ ወፍሪ ህንጸት ሃገር ብግብሪ ክንሰርሕ መብጽዓ እንኣትወሉን፡ ነቶም ንፋስ ሓርነት ክነስተንፍስን መበል 50 ዓመት በዚ ዉዕዉዕ መንፈስ ክነብዕልን በጃ ዝሓለፉ ሰማእታት ብኣቕርቦት ብሉጽ ትምህርቲ ክንድብስን እዩ እምንቶይ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብዚ ቅዱስ ዕላማ ኣብ ኩሉ መደባት ናይ መንግስቲ ተዋፊርና እንርከብ ፍርያት ናይዛ ዓባይ ድስቲ ዝኾና፡ ከም ወትሩ ኩሉ ካባና ዝሕተት ብምምላእ፡ ነቲ ሕልሚ ብብሉጽ ትምህርቲ ደሪዕና ክዉን ክንገብር በዚ ኣጋጣሚ አዘኻኽር።
መንግስትን ሕብረተ ሰብ ኤርትራን ከኣ ነዚ ሓላፍነት`ዚ ብዓወት ንክንዋጸኦ ከም ወትሩ ደገፉ ከበርኽ እጽውዕ።
ትምህርቲ ንጥቕሚ ሓፋሽ!
ሰማእታትና ብስራሕን ብቑዕ ትምህርትን ይደበሱ!
ዓወት ንሓፋሽ!
ሚኒስተር ትምህርቲ ዶር. ሓሊማ መሓመድ
ኣስመራ፡ ኤርትራ
መስከረም 2026
Fonte: Shabait
