Compartilhar

 ኲናት ማሕበራዊ ሚድያ

Publicado em: 14/10/2026 05:39

‘ታህዲድ ፍርቂ ሓይሊ’ዩ’ ክበሃል ንሰምዕ ኢና – ካብ ቀደም። ጉጅለ ብልጽግና ግን “ታህዲድ ምሉእ ሓይሊ’ዩ” ዝዓይነቱ ናቱ ሓድሽ ፍልስፍና ዘምጽአ ይመስል። ኣብ ነፍሕታት ፕሮፖጋንዳ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ምሒር ትጽቢት ግዲ ኣሕዲሩ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጎረባብትን ኣዊጁዎ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ኲናት፡ ብጽዑቕ ዘመተ ማሕበራዊ ሚድያ የሰንዮ ኣሎ። ሚልዮናት ዶላራት ኣፍሲሱ፡ ንማሕበራዊ ሚድያ ብዕዱጋቱ ኣጥለቕሊቑዎ ይርከብ።

ሰራዊት ማሕበራዊ ሚድያ ብልጽግና፡ ኣብ ብዙሕ ምድባት ዝተኸፋፈሉ እዮም። ንነፍሲ ወከፍ ዝተዋህበ ተልእኾ ምልላዩ እውን ዘጸግም ኣይኮነን።

– ምሁራዊ ትንታነ ብዝመስል ኣቀራርባ ታሪኻዊ፡ ሕጋውን ፖለቲካውን ሓቅታት ዘዘንብዑ፣

– ዘየለ ፍጻመታት ምሂዞም መሰረት ዘይብሉ ናይ ሓሶት ዜናን ሓበሬታን ብምግዋሕ ስነኣእምሮኣዊ ኲናት ዘካይዱ፣ በዚ መገዲ’ዚ፡ ካብ ባይታ ፍጻመ ርሒቑ ንዝርከብ ህዝቢን ሰራዊትን ከርዕዱ ዝህቅኑ፣ ብዘየለ ናይ ዓወት ዜናታት ደገፍቶም ዘስክሩ፣

– ጠሓርናኩም ብዝዓይነቱ ጃህራን ፈኸራን ዝህድዱ፣ ምጽላምን ምዝላፍን ዝስርሖም፣

– ሓለይቲ ተመሲሎም፡ ዒላማ መጥቃዕቶም ንዝኾነ ህዝቢ ክሓባብሉን ክኸፋፍሉን ዝህቅኑ፣

– መሃይማን ተመሲሎም፡ ብዘርኢን ሃይማኖትን ድሑር ስምዒታትን ንህዝቢታት ሓድሕድ ከናቑቱ ዝሰርሑ፣ ባህልን ክብርታትን ዒላማ መጥቃዕቶም ዝኾኑ ህዝብታት ዘካፍኡ፣

– ብአይ.ኣይ. ተሓጊዞም መጋገዪ ስእልታትን ካርታታትን እናሰንዑ፣ ናይ ቀደም ስእልታት ወይ ናይ ርሑቕ ከባቢታት ስእሊ እናተጠቕሙ መጋገዪ ሓበሬታ ዝዝርግሑ፣

– ንውልቀ ሰባት ብፍላይ ሓለፍቲን ፍሉጣት ሰባትን ዒላማ ገይሮም ዘናሽዉ . . . ወዘተ.

እቲ ውሩይ ጥንታዊ ናይ ኲናት ፈላስፋ ቻይናዊ ሳን ጹ፡ “ጸላእትኻ ንምግጋይ፡ ድኹም እንተዄንካ ሓያል መሲልካ ተርአ፣ ሓያል እንተዄንካ ድኹም ምሰል” ይብል ነበረ። ድኹም እንተዄንካ ከይግጥሙኻ ምሒር ዓውዓው ክትብልን ክትህድድን ኣለካ፣ ሓያል እንተዄንካ ግን ‘ስቕታ!’ ንረብሓኻ’ዩ ማለቱ እዩ። ብርግጽ ድማ ስቕታ መርኣያ ርእሰ ምትእምማን ክኸውን እንከሎ፡ ጫውጫውታ፡ ጃህራን ፈኸራን ምልክት ጉድለት ርእሰ ምትእምማን እዩ። ትብዓት ምሕብኡ ይከኣል እዩ፣ ምሕብኡን ምኽዋሉን ዘይክኣል ራዕዲ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መትሓዚ ዘይብሉ ግጭታትን ኲናትን ኣባሪዑ፡ ብቝሩብ ትኳቦ ተዓሲቡ፡ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ብምትፍናን፡ ኣብ ከቢድ ተነጽሎ ዝርከብ ጉጅለ ብልጽግና፣ ሓይሊ ፕሮፖጋንዳ ካብቲ ተሸሚሙዎ ዘሎ ሰልሚ ዘውጽኦ ክመስሎ ይኽእል ይኸውን። የግዳስ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሚልዮናት ዶላራት ብምፍሳስ፡ ጫውጫውታ ብምብዛሕ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት ምቕያር ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን። ጫውጫውታ ማሕበራዊ ሚድያ ንብልጽግና ካብቲ ዘይተርፍ ዕጫኡ፡ ፍርዲ ህዝቢ፡ ከድሕኖ ኣይክእልን እዩ። ምስ ህዝቢ ገጢሙ ዝሰዓረ ስለዘየለ!

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ

Fonte: Shabait

Faça um comentário