Compartilhar

“ዘይቀደሙ’ውን መጻጽ’ያ ነይራ” በለት ወኻርያ!

Publicado em: 22/10/2026 08:32

ኣብ ሕብረተሰብና፡ ወኻርያ ዝከኣላ ኩሉ ፈቲና ምርካብ ንዝሰኣነታ ፍረ፡ “ዘይቀደሙ’ውን መጻጽ’ያ ነይራ” በለት! ዝብል ብሂል ወይ ምስላ’ሎ። እዚ ረዚን ትርጉም ዘለዎ ኣበሃህላ፡ ኣላሽ ዝበለን ተስፋ ዝቘረጸን ንዝዛረቦ ዝውክል’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሰልፊ ብልጽግና ኣብ’ቲ ብ19 ጥቅምቲ ብቋንቋ ትግርኛ ዝሃቦ – ብሓያል ናይ ኣርትዖት መስርሕ ዝሓለፈን ኣቐዲሙ ዝተመልአን ንባብ ምባሉ ዝቐልል ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኤርትራ ዝበሎ፡ ካብ’ዚ ናይ ወኻርያ ዝፍለ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኰነን።

ኣብ’ዚ ብቴለቪዥን ኢትዮጵያ ዝተፈነወ ቃለ-መሕትት፡ ምርኡይ ቀዳማይ ሚኒስተር ብልጽግና፡ ንቑጠባ ኤርትራ ብቐንዱ ድማ ንጽላት ኢንዱስትሪ ኣመልኪቱ ከይተሓተተ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1991 “ደኽዲኹ ወይ ዓንዩ” ክብል መዲሩ። ንእግረ-መንገዱ’ውን፡ ምስ “ልኡላዊ መስኮት ባሕሪ”ን “ህላወ ሓይሊ ባሕሪ” ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን ኣተኣሳሲሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣንጻር ኤርትራ ከካይዶ ንዝጸንሐ ቅሉዕ ናይ ወራርን ጠሓርኩኹምን ታህዲድ፡ ብካልእ ምስምስ፡ ቋንቋን ኣገባብን ደጊምዎ’ዩ።

ናብ’ቲ ንቁጠባዊ ቊመና፡ ዓቕምን ተኽእሎን ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ኣናሻዊ ዘረባ ንምም’ላስ፡ እዚ ዝስዕብ ሓቅታት ምጥቃስ ኣይጽላእን፦

  1. ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት፡ ኢትዮጵያ ልዕሊ 80 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝበጽሕ ኣዝዩ ገዚፍ ግዳማዊ ደገፍ’ያ ረኺባ።
  2. ኢትዮጵያ፡ ብኣላይነት ዓለማዊ ባንክ ክልተ ግዜ ዕዳኣ ተሰሪዙላ’ዩ። ጐኒ-ጐኑ፡ ብኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ካልኦት ተዀብትን፡ ተደጋጋሚ ገንዘባዊ ምወላ ተገይሩላ። ኣብ መንጎ’ዚ ግዜ’ውን፡ ንዓሰርተ ዓመታት ንዝተኸስተ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብስም’ቲ ልሙድ “ማሕበራዊ ሴፍቲ ኔት”ን ካልኦት ኣገባባት “ጽዑቕ ክንክንን” ብዝገበረላ ገንዘባዊ ደገፍ’ያ ሰጊራቶ።
  3. እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት’ውን ንባዕሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ዝረኸቦ ኣህጉራዊ ሓገዝ፡ ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ይዳረግ። ብተወሳኺ፡ ዝተረዅመሸ ቁጠባ ናይ’ታ ሃገር፡ ብ3.1 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝትመን ተወሳኺ ናይ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ሓኑኽ’ዩ ክሰርር ዝጸዓረሉ ዘሎ።
  4. ምስናይ’ዚ ኩሉ ናይ ደገፍ ባላታት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ – ልዕሊ 68 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ክቱር ድኽነት ዝነብር ክኸውን ከሎ፡ ኣስታት 30 ሚልዮን ድማ ተጸባዪ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት’ዩ።
  5. ንኤርትራ ብዝምልከት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብልጽግና ዝኣመተለን 300 ፋብሪካታት፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ካብ 1889 ክሳብ 1941 ዝተደኰና’የን። ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብሪጣንያ ድማ፡ ከም “ናይ ውግእ መኽሰብ”ን ነቲ “ኤርትራ ብቑጠባ ነፍሳ ኣይትኽእልን’ያ” ዝብል ውዲት ባይታ ንምጥጣሕን፡ ንዝበዝሓ ካብኣተን – እንተላይ መዐሸጊ መራኽብ ምጽዋዕ – ናብ ካልኦት ሃገራት ሸይጥዎ። መግዛእታዊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ’ውን እንተዀነ፡ ብፍላይ ኣብ እዋን “ፈደረሽን” ንሓያሎ ካብ’ተን ፋብሪካታት ናብ ኢትዮጵያ’ዩ ኣግዒዝወን።
  6. ድሕሪ’ቲ ብከቢድ መስዋእቲ ኣብ 1991 ዝተረጋገጸ ናጽነታ፡ ኤርትራ ኣብ’ተን ቀዳሞት ሸውዓተ ዓመታት ቅልጡፍ ቁጠባዊ ሕውየትን ዕብየትን’ያ ኣመዝጊባ። እዚ ሰነዳት ዓለማዊ ባንክ ዝመስከሮ ሓቂ’ዩ። እንተዀነ፡ ስዒቡ ዝመጸ ዝተስገደደ ኲናታትን ዘይምኽኑይ እገዳታትን፡ ነዚ ገስጋስ’ዚ በቲ ዝድለ ናህሪ ንኸይጐዓዝ ገቲእዎ’ዩ።
  7. እዚ ግዳማዊ ማሕለኻታትን ተጽዕኖታትን፡ ምስ ክፉትነት ኤርትራ ንወፍሪ፡ ቁጠባዊ ፖሊሲታታን ራኢኣን ዝዀነ ዘተኣሳስር የብሉን።
  8. ግደ ሓቂ፡ ኤርትራ – ቅልጡፍን ዘላቒን ልምዓት ናይ ምርግጋጽ ባህጊታታ ንምስማር ዝሕግዛ ኣዝዩ ገዚፍ ቁጠባዊ ዓቕሚ’ዩ ዘለዋ። እዚ ድማ፡ ጸጋታት ባሕሪ፡ ዕደና፡ ምሁርን ጻዕራምን ሰባዊ ርእሰ-ማል፡ ስልጡን ባህሊ ስኒትን ምንብባርን፡ ሃይማኖታውን ማሕበረ- ባህላውን ብዙሕነት፡ ከምኡ’ውን ድልዱል ሓድነት የጠቓልል።
  9. ኣብ መወዳእታ፡ ኢትዮጵያ ንነብሳ ካብ ረማሲ ወልፊ ትኳቦን ግዳማዊ ጽገዕተኛነትን ኣግሊላ፡ ንዘለዋ ገዚፍ ጸጋታት ንሓቀኛ ልምዓት ብዝግባእ ምስ እትጥቀመሉ፡ ኣብ ዝበለጸ ደረጃ ክትበጽሕ ትኽእል’ያ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ግና፡ መራሕታ ካብ’ቲ ንሕብረተሰብ ንትኹል ብምትፍናን ጠንቂ ቀጻሊ ውሽጣዊ ግጭት ኰይኑ ዘሎ ከፋፋሊ ፖሊሲታት፣ ከምኡ’ውን ጠንቂ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ዝዀነ ኣስፋሕፋሒ ፕሮጀክትታት ምስ ዝሕየቡ ጥራይ’ዩ።

Fonte: Shabait

Faça um comentário