Compartilhar
ዘይናቱ ዝደሊ፡ ከም ሳእኒ ይበሊ!
ኣብ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ-ዘመን፡ ኣብ ትሕቲ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነተን ክረኽባ ከለዋ፡ እዚ ሃገራውን ሰብኣውን መሰረታዊ መሰል’ዚ፡ ነታ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን ዝነበረት ኤርትራ፡ ብሰንኪ ኣብ ምብግጋስ ዝሑል ኲናት ናይ ዝተኸሰተ ጂኦ-ፖሎቲካዊ ቁርቊስ ኪዳናት ርእሰ-ሓይላን ተሓሪምዋ’ዩ። ንበዓል ነጎዳ ብሓዊ ደብሶ ከምዝበሃል፡ ኣንጻር’ቲ ብዘየወላውል ዝተገልጸ ምርጫ ህዝባ፡ ኤርትራg ብጉልባብ ፈደረሽን ኣብ ትሕቲ ዘውዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ክትቊረን’ያ ተፈሪዳ።
ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ፡ ሓርበኛ ኣቦና ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ “ኤርትራ ናጽነታ ከይረኸበት፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ክረክብ ማለት ዘበት’ዩ” ብምባል፡ ብውሑዳትን ንጹራትን ቃላት ንማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቲ ክስዕብ ዝኽእል ነውጽን ምልዕዓልን ብኣግኡ ተነብዮምን ኣጠንቂቖምን ነይሮም’ዮም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብዓሎቕን ዓመጽን ዝተነፍጎ ናጽነቱን ልኡላውነቱን፡ ብደሙ ከምዘረጋግጾ ዝእምት – ዘየሻሙ ትንቢት።
ኤርትራ ብረዚን መስዋእቲ ኣብ ግንቦት 1991 ናጽነታ ምስ ኣረጋገጸት፡ ክሳብ ዳግማይ ድጉል ደግሲ ዝኽሰት፡ ኣብ ዞባና ዝነበረ ናይ ሰላም፡ ርግኣት፡ ሽርክነትን ምዕባለን ሃዋህው ናይ ትማሊ ህያው ተዘክሮ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 80 ዓመታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ዘይርጉእነትን ቅልውላዋትን እምበኣር፡ ፍረ ናይ’ቲ ርእሰ-ሓያላን ሃገራትን መጋበርያታቶም ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን ንዓመታት ዝተኸተልዎ ጂኦ-ፖሎቲካዊ ጎነጽ’ዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ከባቢና ቀርኒ ኣፍሪቃ – እንተላይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ – ንርእዮ ዘለና ወተሃደራዊ ግጭታት፡ ጎነጽን ምጉብዕባዕን’ውን ናቱ መቐጸልታ’ዩ።
ሰልፊ ብልጽግና ንኣህጉራዊ ውዕላትን ሕግን ብቅሉዕ ብምጥሓስ፡ ብምኽንያት “ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት” ወይ “ቁጠባዊ ረብሓ” ዝብሎ፡ ንልኡላዊ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ “ብውዲ ወይ ብግዲ” ንምቊጽጻር ዘካይዶ ዘሎ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ውሳነ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ከምኡ’ውን ንዶባት ኣፍሪቃን ውዕላቱን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ። ኤርትራ ልኡላውነታ ንምሕላው እትገብሮ መኸተ ድማ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቘማሉ መሰረታዊ መትከላት ንምክልኻል’ዩ።
ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገረ ኤርትራ ዘየማጉት፡ ዘይግሃስን ፍጹምን’ዩ። ብኣንጻር’ቲ ዘሎ ቀጻሊ ምትኹታዂን ዘንቀደ ዘመተን ድማ፡ መንግስቲ ኤርትራ ስትራተጂ ልዑል ትዕግስትን ግትኣተ-ነብስን ክኽተል ጸኒሑ’ሎ።
ኤርትራ፡ ኣብ መሰረታውያን ዓንድታት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እዉጅ መርገጺ’ዩ ዘለዋ። ከም’ቲ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1998 ብዘየወላውል ቃላት ዝገለጾ፡ መርገጺ ኤርትራ “ናትና ኣይንህብን፡ ዘይናትና ኣይንደልን” ኣብ ዝብል ኣምር ዝተሰረተ’ዩ።
ኤርትራ፡ ንሰላም ዘለዋ ድሉውነት ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ ኣብ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት – ብቅድመ-ኩነትን ጎነጻዊ ምፍርራሕን ሕድገት ይኹን ዘተ ኣይትገብርን። ካብ’ቲ ንዘይናቱ ብምውራር ንዞባና ናብ ተወሳኺ ቅልውላው ክሸምም ዝህንደድ ዘሎ ዕብዳን ስርዓት ብልጽግና፡ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ንምክልኻል ድማ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝህባ ዘይንፈግ መሰል ኣለዋ።
Fonte: Shabait
