Compartilhar

ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2026፡ ብወግዒ ተዛዚሙ።

Publicado em: 26/07/2026 15:38

ኣብ ኣስመራ – ቀጽሪ ኤክስፖ ክካየድ ዝቐነየ ዓመታዊ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2026፡ ሎሚ 26 ሓምለ ብዝተኻየደ ወግዓዊ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ተዓጽዩ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ዝተሳተፍዎ መዕጸዊ ስነ-ስርዓት፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ፈስቲቫል – እቲ እወታዊ ሸነኹ ከም ኣገዳሲ ተመኩሮ ተወሲዱ፡ ኣብ ስራሕ ዘሎ ንዕቤት ንጥፈቱ ክሓስብ፣ እቲ ንኡስ ዘሎ ኸኣ ካብ’ዚ ተመኩሮ’ዚ ተማሂሩ፡ ደረጃ ምዕባለኡ ከበርኽ እቲ ተኽእሎ ዓቢ ምዃኑ ከምዘረጋግጽ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ዘመደ ኣስዒቡ፡ ዝተቐስመ ተመኩሮ ዓቢ መምህር ምዃኑ ከይተዘንግዐ፡ መጻኢ መደባት ዝያዳ ክጽብቕን ውጽኢታዊ ክኸውንን ተወሳኺ ሓሳባትን መደባትን ኣገዳሲ ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ሃናጺ ርእይቶታት ኣብ እዋኑ ክርከብ ትጽቢት ከምዝግበር ኣነጺሩ።

ንሓፈሻዊ ዕላማን ትሕዝቶን ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ኣጠቓላሊ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል 24 ምርኢታትን መደባትን ዘጠቓልል ንጥፈታት፡ ብልዑል ጻዕርን ተገዳስነትን ከምእተሰላሰለ፣ ንዝነበረ ብልጫታትን ድኻማትን ዝምልከት ሃናጺ  ርእይቶታትን ለበዋታትን ድማ ንዝምልከቶ ኣካል ከምዝቐርብ ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ’ቲ ብስነ-ጥበባዊ መሰናድኦ ዝማዕረገ ስነ-ስርዓት፡ ናይ ተሳታፍነትን ምስጋናን ምስክር ተዓዲሉ።

ነዚ ካብ 18 ሓምለ ጀሚሩ ንትሽዓተ መዓልታት ዝቐጸለ ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ነጋድያን ከምእተዓዘብዎ፡ ጸብጻብ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ብተሳትፎ ዞባታት፡ ሚኒስትሪታትን ካልኦት ኣካላት መንግስትን፡ ከምኡ’ውን ሃገራውያን ማሕበራትን ናይ ግሊ ትካላትን ደሚቑ ዝቐነየ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፡ ያታውን ዘመናውን ምርኢት ሙዚቃ፡ መነባብሮን ድኰና ኣባይትን ብሄራትና፡ ሕርሻውን ባሕራውን ጸጋታት ኤርትራ፡ ሰሚናራትን ሞያዊ ኣስተምህሮታትን፡ ባዛር፡ ስእላውን ንዋታውን ምርኢት፡ ስነ-ጥበባዊ መደባት፡ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን፡ ምርኢትን መሸጣን መጽሓፍቲ፡ ከምኡ’ውን ደምበ ህጻናትን ካልእን ቀሪቡ።

Fonte: Shabait

Faça um comentário