Compartilhar
መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወግዓዊ ጽንብል መበል 35 ዓመት ናጽነት
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ንሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ዓለምን፣ ምስ ፈተውቱ ተቓለስቲ ህዝቢታት ዓለም – ዮሃና!
ዓመት-ዓመት፡ ነዛ ዕዝዝቲ ዕለት ንምምዕራግ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓይነታዊ መሰናድኦታት ንዝወደቡን መልእኽቲታት ዮሃና ንዝለኣኹን ፈተውቲን ልዑል ምስጋና!
ብቕያ መኸተ ሓርነታዊ ቃልሲን መስዋእትን 50 ዓመታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 35 ዓመታት ኣንጻር ዝተፈላለየ ተጻብኦን ሽርሒታትን መጥቃዕትን ኣብ ምክልኻል ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ምስ ጥሙር ልምዓታዊ ተጋድሎ ደሚርካ ክርአ እንከሎ፡ ዓመት-ዓመት ዝዝከር በዓል፡ መለክዒ ጉዕዞን ገስጋስን ተልእኾ ሃገራዊ ህንጸት ወለዶታት’ዩ። ናጽነትን ልዑላውነትን ውህደትን ክብሪ መሬትን ብዘላቕነት እናሰሰነ ዝምዕብል መስርሕ ስለዝዀነ፡ ትማሊ ኣበይ ኔርና? ሎሚ ኣበይ ኣሎና? ንመጻኢ’ኸ? እናበልና ምስ ነብስና ንተሓታተሉ ኣጋጣሚ’ዩ። ገስጋስና ብወድዓውነት እናገምገምና፡ ካብ ተመክሮታትና እናተመሃርና፡ ኣድማዕነት ስራሕና ከነወርጽጽ ዝድርኽ’ዩ። ሓበንን ክብሪን ንህዝቢ ኤርትራን ሰማእታቱን።
ሃገራዊ ወይ ዘቤታዊ ኩነታትናን ምዕባለኡን፡ ካብ’ቲ ባዕልናን ህዝቢ ዓለምን ሃንቀው ንብሎ፡ ርትዓዊ ኣህጉራዊ ስርዓትን፡ ዞባዊ ናይ ምክብባርን ርግኣትን ምትሕግጋዝን ራህዋን ጥምረትን ሽርክነትን ተነጺሉ ስለዘይርአ፡ ዓለማውን ዞባውን መቓኑ ብወድዓዊ መወከሲታትን ተዛማድነትን ክንፈልጦን ክንርድኦን ግቡእ ዕማም’ዩ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ምስ ፍሉይነቱን ርዱእ መድረኻዊ ሚዛን ኣመሪካን፡ ኣብ ናይ 34 ናጽነት ኣጋጣሚ፡ ዳግማይ ምምላስ ትራምፕ ናብ ‘ጻዕዳ-ገዛ’፡ ከም መእተዊ ንባብ ሓደ ማዕዶ (dimension)፡ መበገሲ ፖሊሲታቱን ኣከያይድኡን ዝገድፎ ኣሰራትን ብኣጋ ምቕማርን ዕቱብ ዕዮ-ገዛን ዘድልዮ ምዃኑ ጠቒሰ ነይረ። መገምገሚ መወከሲታት ሰሪዕካ፡ መርትዖታት እናዋህለልካ፡ ኣመስሪሕካ ምንባብ ከም ቅጥዒ ኣብ ምሓዝ ግን፡ እቲ ተርእዮ ከቢድን ዝተሓላለኸን ስለዝዀነ፡ ህዉኽ መደምደምታት ካብ ምሃብ ዝያዳ ትዕግስቲ ዝሓትት’ዩ። ንእዉጅ ጭርሖ ‘ማጋ’ ትራምፕን ትርጉሙን ንምድህሳስ፡ መፈልፈሊ ኣርእስትታት ሰሪዕካ (ሃብቲ – ኢንዱስትርያዊ ውጽኢት – ቴክኖሎጂያዊ ጸብለልትነት – ወተሃደራዊ ሓይሊ – ክሊ ጽልዋ – ወዘተ. . .) ኣብ መቓን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ኣመሪካ፡ ኣውራ ኣብ መዋእል ዝሑል ኵናትን ናይዚ ዝሓለፈ “እንኮ-ቐጽራዊ” መዋእል ዕንደራን ሰኲዕካ፡ መጻኢ ኣመታቱ ንምፍላጥ ወይ ምርዳእ እዋናዊ ኣገዳስነት ኣለዎ።
ኣብ ቍጠባ፡ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ልዕሊ ኩሉ ኢንዱስትርያውነትን ምምስራሕን ድለባ-ክብሪን እንተወሲድና፡ ኣባኻኒ ባጀታዊ ዝርወት ተኸታታሊ ምምሕዳራት ዋሺንግተን ኣብ ርእሲ ዘዋህለሎ ዕዳታት፡ ብስሱዕ ቅኒት “ዓብልል ገብት”፡ ኣጋጣሚታት ታሪኽ ብዝፈጠረሎም ዕድላት ዝተኸልዎ ቍጠባዊን ማላዊን ሃይመና (ዕብለላ) መዝሚዞም (“ከም ናትና ሓንጐልን መሃዝነትን የለን፣ ካልኦት ክቐድሑ ጥራይ’ዮም ዝኽእሉ” ዝዓይነቱ ኣጕል ብሂል ሒዞም) ንትሑት ተኻፋሊ ጉልበትን ጸዓትን ኣህላኽነትን ካልኦት ክምዝምዙ ምእንቲ፡ ኣውራ ኣብ’ዚ ድሕሪ ምኽታም ዝሑል ኵናት ዝዓብለለ ስነ-ሓሳብ “ሳግም” ዘኸተሎ እስትራተጂያዊ ቍጠባዊ ምምዝባል ቀሊል ኣይነበረን። ዓሚ ዝጠቐስክዎ ዘጋልብ ዝነበረ ዕዳ 30 ትሪልዮን ዋሺንግተን፡ ሎሚ ናብ 40 ትሪልዮን ይዓርግ ምህላዉ፡ ቀሊል ምስክር’ዩ።
ትራምፕ፡ ነቲ ሓደጋን ምንቍልቋልን ምእ’ማኑ “ኣወንታዊ’ዩ” ክብሃል ዝከኣል’ኳ እንተዀነ፡ መፈወሲ ኢሉ ዝኽተሎ ዘሎ ስጕምቲታት (. . .ወጻኢታት ምጽልጻል፡ . . .ዝሳገመ ኢንዱስትሪታትን ወፍሪን ምስሓብን ምምላስን ምጥያስን፡ ቀረጽ ምዕባይ፡ ዘቤታዊ ግብሪ ምንካይ፡ ምግባት ዘይርከብ ማዕድናት፡ ሓይሊ ምውጥዋጥን ምህዳድን፡ ጽዑቕ ወፍሪን ዘመተን’ውን ኣብ ዲፕሎማሲን ፕሮፖጋንዳን. . .ወዘተ) ክሰርሕ ይኽእል’ዶ? ኣበይን ምስ መንን?
ቴክኖሎጂያዊ ጸብለልነት፡ AI ሓዊስካ፡ ዕሙቕ ዝበለ መመዛዘኒ ዳህሳስ ዝሓትት’ኳ እንተኾነ፡ ዛጊት ንናይ ዋሺንግተን ብልጫታት ዝእምት ኣንፈታት የለን።
ወተሃደራዊ ጉልበት’ከ? ፈርካሽ ቊመና ‘ናቶ’ ከም መርኣያ ከይወሰድካ፡ ብመጅሃሪ ትያትሮታት፡ ታህዲታት፡ “ንኣሽቱ” ንዝበሃሉ ምድሃኽን ምቕታልን፡ ብዝሒ ኒኵሌራዊ ኣጽዋር፡ ዕንዝራታትን (ድሮናት) ሚሳይላትን ጥራይ ዝልካዕ ኣይኰነን። ናይ 20 ዘመንን ህልውን ወተሃደራዊ ታሪኻት ምስክር’ዩ። ክሊ-ጽልዋ? ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ተፈንዮም ዘለዉ ባሉናት “ግሪንላንድ”፡ “ካናዳ”፡ “ሜክሲኮ”፡ “ኩባ” . . . ወዘተ ባህርያዊ ሃብቲ ድዩ? ጆግራፍ ድዩ? ክሊ-ጽልዋ ድዩ? ንዝና ድዩ?. . . ሳዕቤናቱ’ኸ እንታይ ክመስል ይኽእል? ንምርድኡ፡ ገምሪ (speculation) ዘይብሉ ዓቕሊ ዝሓትት’ዩ።
ዝኸበርክን ዝኸበርኩምን
ኪኖ ባሉናት፡ ካብ ናይ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣቓልቦ ዝስሕብ ጉዳያት፡ ናይ ቨነዝወላን ኢራንን ኣብነት ምርኣይ ሕማቕ ኣይኮነን።
ኣብ ኣመሪካታት ዝጸንሐን ዘሎን ዕዳጋታት ሓሽሽ/ድራግ፡ ነዊሕ ዛንታ ዘለዎ’ዩ። ቨነዝወላ ኣበይ ትስራዕ? ማዱሮኸ? እንታይ ተራ ነይርዎ? ብኣህጉራዊ ሕጊ ክኽሰስ ዝኽእል እንተነይሩ፡ ስለምንታይን በየናይ ሕጋዊ ቅጥዒን “ጻዕዳ ገዛ” በይናዊ ናይ “ምቕያድ” ስጕምቲ ክውሰድ ይኽእል? ናይ ኣማን ቨነዝወላ፡ ንናይ ኣመሪካ ሃገራዊ ድሕነት ስግኣት ድያ? ብኸመይ? ማዱሮ ከም ውልቀ-ሰብ’ከ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ስግኣት ነይሩ ድዩ? እቲ ስርሒት ምቕያድ ንኻልእ ኣጀንዳታት ምስምስን ገንሸልን ድዩ ነይሩ? መልስታት ክሳብ ዝርከብ ገምሪ ዘይብሉ ዓቕሊ።
ኢራን
ኑኵሌራዊ ፕሮግራም ኢራን፡ ኣብ ፈለማ 70ታት ኣብ ዘመነ ሻህ ዝጀመረ’ዩ። ብናይ መን ደገፍን ምትብባዕን? ናቱ መልሲ ኣለዎ። ድሕሪ 1979፡ ከመይ ኢሉ ከምዝማዕበለ’ውን ነዊሕ ዛንታ’ዩ። ምስ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተኣዊጁ ዘሎ ኵናት ግን፡ ክምለሱ ዘለዎም መባእታውያን ሕቶታት ኣለዉ። ኑኵሌራዊ ፕሮግራማት ዘለወን ሃገራት መነመን’የን? ኑኵሌራዊ ኣጽዋር (በብዓይነቱ) ዘለወንን ዘማዕብላን ሃገራት መነመን’የን? ኑኵሌራዊ ኣጽዋር ዝውንናን ዘማዕብላን ሃገራት በየናይ መሰል? ወይ ብናይ መን ፍቓድ? “ወሃብቲ ፍቓድ” እንተልዮም፡ እንታይ መሰል ወይ ሓለፋ ስለዘለዎም? ንምንታይ ኢራን ንበይና ትኽልከል? ናይ ኣማን’ከ፡ ኢራን ስግኣት ኣመሪካ ድያ? ኣመሪካ በይናዊ መጥቃዕቲ ክትወስድ’ከ እንታይ ሕጋዊ ሓለፋ ኣለዋ? ሆርሙዝን ምዕጻዉን ከም ሳዕቤን ክንዲ ምርኣይ፡ ንኣህጉራውን ዞባውን ርግኣት ተዛማድነት ዘለዎም ጉዳያት ኣልዒልካ ምጽማድ ዝሓትት’ዩ። ስሕታን – ቅማረ ዝደፍኦ እስትራተጂያዊ ጌጋ ከምዝነበረ ግን ኣየማትእን። ምስ ርዱእ ሓደጋታቱ ከኣ ደው ክብል ይግባእ።
ዝኸበርክንን ዝኸበኩምን
ሕልፍ-ሕልፍ ዝበልክዎም ምስ ምምጻእ ትራምፕን ዝኣወጆም ፖሊሲታትን፡ ዝወሰዶም ስጕምቲታትን፡ ኣውራ ካብ’ዚ ካልኣይ እግሩ ንጻዕዳ-ገዛ ዝኣተወሉን፡ ናይ ዓመትን መንፈቕን ፍጻሜታት’ዩ። ገና ክልተ ዓመትን መንፈቕን ተሪፉ’ሎ። ትራምፕ ሒዝዎም ዝጸንሐ ጉዳያት፡ ብኸመይ ኮን ይምዕብሉ ይዀኑ? ምስ ኤውሮጳ? ቻይና? ሩስያ? ህንዲ? ማእከላይ ምብራቕ? ኤስያ? ላቲን ኣመሪካ? ኣፍሪቃ?. . .ሃገራት ብተናጸልን ብእኩብን ኣብ ነንበይኖም ኣርእስቲታት/ጉዳያት ግዜን፡ ብኸመይ ይጸምዱ? ድምር ውጽኢታት ናይ መጻኢ 30 ኣዋርሕከ? ራዳራት ኣዋዲድካ ሰዓት ሰዓት ምክትታል ኣብ ቦትኡ እንከሎ፡ እንታይ ናጻ ኣማራጺ ክሕሰብ ይከኣል? ኣብ’ዚ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይብሉ፡ ትራምፕ ምንቃፍ ነበይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን። እቶም ኣበራት እናረኣዩ ዘሳስዩ ዘለዉኸ? ካልእ ክጕሰ ዘይብሉ’ውን፡ ንትራምፕ ክጠብሱን ከጋግዩን ህርድግ ዝብሉ “ጸለውቲ ኢና” ዝብሉ ከምዘለዉ ዘይምርሳዕ።
ብዓቢኡ፡ ሓያላንን ዘይሓያላንን ዘንቅልዎ ኣጀንታት “ብኸመይ ይጸልወና”? ዝብል መልሰ-ግብራዊ ትሕጃታት ዘይኰነ፡ ብንጡፍ ተበግሶ፡ ኣብ መሰረታውያን ክብርታት ዝተነድቀ ሓሳብን እስትራተጂን ቀዪስካ ምግስጋስ መተካእታ የብሉን።

ካብ ህዝቢታት ዝላደዩሉ ብሉይ ኣህጉራዊ ስርዓት ምውጻእ፡ ግድነት’ምበር ሕርያ ኣይኮነን። ሓራ ዕዳጋታትን ንግዲን ዘይብሉ፣ ርትዓዊ ምምቕራሕ ሃብቲን እቶትን ዘይብሉ፣ ናይ ሓረጣን ገምሪን ዝምታን ዓሎቕን፣ ፊናንሳዊ ትካላት ዘማሕድሮ፡ ብኽሳራ ዝረብሕ ዝምታ “ባዶ-ድምር”፣ መቐጸልታ ባርነትን መግዛእትን ዝዀነ ብሉይ ስርዓት ክእለ ኣለዎ። ሓድሽ፡ ናይ ርትዒን ፍትሒን ኣህጉራዊ ስርዓት ምምጻእ ከኣ፡ ዘይውንዘፍ ተልእኾ ደቂሰብ’ዩ። ዘለናዮ መዋእል፡ ካብ ዝጸንሐ ብሉይ ኣህጉራዊ ስርዓት ናብ ሓድሽ ኣህጉራዊ ስርዓት መሰጋገሪ ስለዝዀነ፡ ሓድሽ ምህዞ’ኳ እንተዘይብሉ፡ ከም መቐጸልታ ክብሪታት (values) ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመዘኻኸሪ ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት 80 ዘቕረብናዮ ክሰፍሕን ክህብትምን ዝኽእል፡ ንመርሓ-ጐደና ዝሕግዝ ሓሳብ፡ ከም’ዚ ዝስዕብ ነይሩ።
- ደቂሰብ፡ ቍጠባዊ ጸጋታቶምን ምህርቲ ስርሖምን፡ ብርትዓዊ ወኒኖም፡ ሃብቲ እናኻዕበቱ፡ ኣብ ዘላቒ ናይ ወለዶታት ዕብየትን ራህዋን ኪጐዓዙ፣
- ራህዋን ዕብየትን ንምውሓስ፡ ሰላምን ርግኣትን ምንጋስ፣
- ሰላምን ርግኣትን ንምንጋስ፡ ርትዒን ፍትሒን ምርግጋጽ፣
- ዝሰፍሐ ዞባውን ኣህጉራውን ሰላምን ምርግጋእን ሓባራዊ ዕብየትን ንምድራዕ ከኣ፡ ሓድሕድ ምክብባርን ምምልላእን ጥምረትን፣
- ነዞም መባእታውያን መትከላት ሃንቀውታ ደቂሰብ ዝእዝዝ ሕጋዊ ፈጽሚን ቅርጺን ኣሊያን (መካኒዝም) ምትካል።
ኣብ ምእላይ ዝበለየ ስርዓትን ምውዳድ ሓድሽ ስርዓትን፡ ንደቂሰብ ብሰፊሕ ዝምልከት ይኹን’ምበር፡ ካብኡ ናብኡ፡ ነቲ ኣብ ፍልማዊ ቍጠባ ዕንጋሎ ዝነብር ዘሎ ዝተዋሰነ፡ ቀዳማይ ግዳይ “ባዶ-ድምር” ዝዀነ ህዝቢታት ኣፍሪቃ ይምልከት። ስለዚ’ኸኣ’ዩ ኣፍሪቃን ዝተፈላለየ ክፍለ-ዞባታቱን ኣብ ውሽጢ’ቲ ሰፊሕ ዓለማዊ መድረኽ፡ ናቱ ተመላላኢ እስትራተጂ ነዲፉን ውጥናት ኣርቂቑን ክቃለስ ዘለዎ። ካብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ(OAU) ናብ ሓድነት ኣፍሪቃ(AU) ዝተሰጋገረሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ እዚ’ዩ ነይሩ። ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ማዕረ’ቲ እዋን ዝሓቶ ተልእኾ እንተዘይደዪቡ፡ ተዛማድነት ኣይክህልዎን’ዩ። ስለዚ’ኸኣ’ዩ፡ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዝህልወና መኸተ ምሕዝነት ኪነጥፍን ክሕይልን ዝግባእ።
ካብኡ-ናብኡ ኣብ ዞባና –
ዓሚ’ኳ፡ ካብቲ ጐደቦና ‘ንብሎ፡ ተፋሰስ ኒልን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥን፡ ኣብ ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብፍሉይ ጠቒሰ ነይረ። ዓለማዊ ተኣፋፍነት ናይቲ ጐደቦ፡ ምስ’ዚ ሕጂ ኣብ ሆርሙዝ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው፡ ዝያዳ ጐሊሑ ስለዘሎ፡ ክንክተሎ ዝጸናሕና ናይ ዝዀነ ዓለማዊ ይኹን “ዞባዊ ሓይሊ’የ” ዝብሉ ወገናት ጣልቃ/ምትእትታው ዘይብሉ፣ ብውዕል ሃገራት’ቲ ጐደቦ ዝቘመ ናይ ሓባራዊ ድሕነት (collective security) ኣሊያ/መካኒዝም እንተዘይኰይኑ፡ ዝኾነ ካልእ መተካእታ “ዘራያት” ከምዘየዋጽእ ዳግም ተነጺሩ’ሎ። ብዕቱብ ክጸዓረሉ ከኣ እዋኑ’ዩ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ብቐረባ ንርእዮ ክፋል ናይ’ቲ ጎደቦ ግን፡ ንርዱእ ግብራዊ ኣገዳስነቱ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ርግኣት ናይ’ቲ ዞባ ንልምዓት ምእንቲ ክዋደድ፡ ካብ ኢጋድ ናይ ምድረበዳ፡ ናብ ኢጋድ ናይ ልምዓት ንምስግጋርን ንምሕያልን ዘካየድናዮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን። ኣብ ሶማል፡ ኢትዮጵያን ደቡብ-ሱዳንን ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ’ዩ። ዝያዳ ኣቓልቦን ስራሕን ከምዝሓትት ከኣ፡ ጐሊሑ’ሎ። እቲ ሽግር ወይ ሽግራት እንታይ’ዩ?
ብዝርዝርን ዕምቈትን ክዝረበሉ ዝከኣል’ኳ እንተዀነ፡ ብሓፈሻዊ ተመሳሳሊ ባህርያት ክርአ እንከሎ፡ ብድሆታት ህንጸት ሃገር’ዩ ተባሂሉ ክጠቓለል ይከኣል። 1ይ – ቍልቁላዊ ምትፍናን ሕብረተሰብ/ዜጋታት’ዩ። ክንዲ ናይ ዜግነት ሃገር ምህናጽ፡ ብዝተፈላለየ ኣስማት – ኤትኒክ፡ እንዳ፡ ሃይማኖት. . . ወዘተ ንሕብረተሰብ ብጽልኢ ኣተፋኒንካ፡ ክሳብ ምቅትታል ምዕራጉ፣ 2ይ – ስርዓት መሳፍንቲ ኵናትን ሚሊሻታትን ከም መተካእታ ልዑላውያን ትካላት ምዅስኳስ፣ 3ይ – ኣዝዩ ብኩል (corrupt) ባህሊ/ስርቂ ምስሳይ፣ 4ይ – ዝኸፍአን መጋደዲን፡ ናይ ወጻኢ ምትእትታውን ምእዙዝነት ንኽድምና ግዳማዊ ረብሓታትን’ዩ። ኣብ ዝርዝራት መጠናዊ ፍሉይነታት ክህሉ ይኽእል። ብሓፈሻዊ ኣመዳድባ ግን፡ ብቐንዱ ክፍወስ ዘለዎ ቅልውላዋት’ዩ። ከም ግብራዊ ቅድመ-ኵነት ግን፡ ናይ ወጻኢ ምትእትታዋትን ምወላን ከቋርጽ ግድን’ዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩንን
ናብ ዘቤታዊ ጉዳያት ክንመጽእ –
ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጽንብል፡ ንልምዓታዊ መኸተና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራትን ጽላታትን፡ እንተላይ ቀዳምነታትናን ኣሚተ ነይረ። እቲ ኣምር፡ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ብቐንዱ ናይ ህዝቢና መነባብሮ፡ ብቐዳምነት ናይ ዝተዋሰነ ከባቢታት፣ ብዓቢን ንሓዋሩን ግን፡ ካብ ቍጠባ ዕንጋሎ ዘገላግለና፡ ኣፍራይነትና ዘሐይልን፡ ምህርትና ብዘላቕነት ዘኻዕብትን፡ ናብ ብሉጽ ምምራሕን ድለባ-ክብሪን ምስናዕን ኢንዱስትርያውነትን ብሉጽ ኣገልግሎትን ዘሰጋግር ምእንቲ ክኸውን’ዩ። ኣብ ቍጠባ ከይተሓጽረ፡ ዲፕሎማስያውን ሓበሬታውን ግንባራት’ውን የጠቓልል። ማልን ቴክኖሎጂን’ውን፡ ምስ ዝኽሰት ዘሎ ዕድላት ገፊሕን ዘላቕን ሽርክነት፡ ኣቃሊልና ዘይንርእዮ ዕማም’ዩ። ብተደጋጋሚ ከምዝግለጽ ግን፡ ወሳኒ ሓይሊ፡ ሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢን፡ ብዝሒን ዓይነትን ሞያውያንን፡ ክኢላታትን መንእሰያት፡ ምስ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሓርበኛታት ዜጋታትና ኣወሃሂድካ፡ ሲነርጂን ዘላቕነትን ምርግጋጽ’ዩ። በቲ ንብህጎ ናህሪ ክንግስግስ ግን፡ ፕሮግራማትና/ውጥናትና ዳግም ምኽላስን ምጽፋፍን ምጕስጓስ ጸጋታት ከነዕቢ ስለዘሎና፡ ኣብ ዓመተ 2026 ሰገጥ ምባል ኣይክሰኣንን’ዩ።
ናይ ጽርግያታትን መጓዓዝያን ፕሮጀክትታና፡ ብኸምቲ ዝተነድፎ ክዓቢ’ዩ። ናይ መንበሪ ኣባይቲ ሰፊሕ መደባት’ውን ማዕረ-ማዕሪኡ ክድረኽ’ዩ። ናይ ማይን ኤለክትሪክን ኣገልግሎት ምስፋሕ ፕሮጀክትታት፡ ምድንጓይ ቀረብ እንተዘይኰይኑ፡ መበጋገሲ ኣብዚ ዓመት ኪዝርጋሕ’ዩ። ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ቀዳምነት ትምህርቲ፡ ብሰፊሕ ህዝባዊ ደገፍ፣ ካብ ቅድመ-ትምህርቲ ዝብገሱ ፕሮግራማት ቀዳማይ ድርኺት ኪግበረሎም፡ ዓቢ ትጽቢት ኣሎ። ምስፋሕ ዓይነታዊ ኣገልግሎታት ጥዕና’ውን ዓቢ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ’ዩ።
ውፉይን ጻዕረኛን ህዝቢ ጥራይ ዘይኰነ፡ ተባዕን ጽኑዕን ተጸማሚን ህዝቢ ስለዘሎ፡ ኣብ ኩሉ ልምዓታዊ መኸተ ህንጸት ሃገር ከኣ፡ ዘይፍለ ሓይልታት ምክልኻል፡ ከም ዲናሞ ሕመረትን ድርዒ ጠረፍን ስለዘሎ፡ ሓበን ይልበስ! መሰናኽላት እንተለዉ’ውን፡ ስክፍታ የለን! ቅሰኑ!
ጽንዓትና፡ ናይ ኣማን ዋሕስና።
ናይ ጽንዓት መምህራንና ሰማእታት ይኽበሩ!
ዓወት ንሓፋሽ!
24-05-2026
Fonte: Shabait
