Compartilhar

ቃለ ቡራኬ ርእሰ ኣውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ፳፻፲ወ፱ (2026)

Publicado em: 10/09/2026 12:15

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ!!!

“ሣህሉ ለእግዚአብሔር በጊዜሁ ምሕረት እግዚአብሔር ኣብ ጊዜኡ እዩ።” (መዝ. 6813)

ክቡራንን ክቡራትን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር እትነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ብሓፈሻ ኵልኹም ሕዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ካብ ዘመን ማርቆስ ወንጌላዊ ፳፻፲ወ፰/2018 ዓመተ ምሕረት ናብ ዘመነ ሉቃስ ዜናዊ ፳፻፲ወ፱/2019 ዓመተ ምሕረት ብደሓነ ሰላም ኣብጸሓናን ኣብጸሓኩምን። ሎሚ ዓመት ፳፻፲ወ፱/2019 ማርቆስ ተሳዕረ ሉቃስ ነገሠ ዝበሃለሉ ዓመተ ምሕረት እዩ`ሞ፡ ኣምላከ ምሕረት ዘመነ ሰላም፡ ዘመነ ራሕዋ፡ ዘመነ ፍቕሪ ክገብረልና ቡራኬናን ሠናይ ትምኒትናን ንገልጸልኩም።

ዘመን ኃሊፉ ዘመን ክትካእ ዝገብር ጐይታ ዘመናት ልዑል እግዚአብሔር ትውልዲ እናኅለፈን ትውልዲ እናተክአን ነፋሳት የንፍስ ማያት የፍስስ ብርሃናት የመላልስ ሓጋይን ክረምትን መዓልትን ለይትን የፈራርቕ። (ዳን. 220-22)

ኣምጻዔ ዓለማት ፈጣሬ ፍጥረታት እግዚአብሔር፡ ንሰብ ምስ ፈጠረ ብመንፈስ ቅዱስ ኣኽቢሩ ሾብዓተ ሃብታት ኣሕዲሩ ብርሃን ኣልቢሱ ብርሃን ኣጐናጺፉ ኣብ ገነት ኣቐመጦ። ደሓር ግና ብምኽሪ ዲያብሎስ ተታሊሉ ዕፀ በለስ በሊዑ ብመርገመ ሥጋ ወሪደ መቃብር፡ ብመርገመ ነፍስ ወሪደ ገሃነም ተፈሪድዎ ካብ ገነት ወጽአ። ነቲ ዝተዋህቦ ናይ ጸጋ ብርሃን ኣጸልመቶ። ብድሕር`ዚ ፈጣሪኡ ክዕረቖ ንስሓ ምስ ኣተወ ብፍጥረቱ ዘይጭክን ጐይታ ንስሕኡ ርእዩ ብሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓ መዓልትን፡ ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ኣብ መስቀል ተሰቒለ ደመይ ኣፍሲሰ፡ ሥጋይ ቆሪሰ ከድሕነካ እየ ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሉ። ብሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓ መዓልትን ዝተባህለ 5500 ዓመት ኮይኑ ካብዚ ተበጊሶም ደቂ ኣዳም ገሊኦም ብወርሒ፡ ገሊኦም ብኸዋኽብትን ብጸሓይን እናቖጸሩ ሓደ ክውለድ ሓደ ክቕበር ትንቢት ክንገር ሱባኤ ክቑጸር ክሳዕ ዘመነ ሥጋዌ (ልደት ጎይታ) በጽሐ።

ቅዱስ ዳዊት “ሣህሉ ለእግዚአብሔር በጊዜሁ ምሕረት እግዚአብሔር ኣብ ጊዜኡ እዩ።” (መዝ. 6813) ዝበለ ነዚ ዝሃቦ ትንቢት ዝፍጸመሉ ዘመን ምስ ኣኸለ ከኣ ካብቲ ዝኣተወሉ ቃል ኪዳን ከየጕደለን ከይወሰኸን ብ5500 ዓመት ግብረ ምድኃን ፈጸመሉ።

እምበኣር ሎሚ ዓመት 7519 ዓመተ ዓለም እዩ። ካብዚ 5500 ዓመት ዘመነ ኵነኔ ይበሃል፣ 2019 ድማ ዓመተ ምሕረት ይበሃል።

ነዚ መሠረት ብምግባር መደምደምታ ብሉይ ኪዳን መጀመርታ ሓዲስ ኪዳን ዝኾነ፡ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ፡ ናይ ዘመን መሰጋገሪ ብምዃኑ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ብሉይ ናብ ሓዲስ፡ ካብ ዘመነ ኵነኔ ናብ ዘመነ ምሕረት፡ ንዝተሰጋገርናሉ ዓቢይ ውዕለት ብምስትውዓል ፡ ካብ ክፉእ ርሒቕና፡ ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ክንዝክሮን ከነኽብሮን ሠሪዓትልና ኣላ።

ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍትና ዘለዎ ንዘይብሉ የማቕል (ሉቃ 3፡10) ተባሂሉ ከም ዝተኣዘዘ፡ ምትሕግጋዝ ንቡርን ክቡርን ባህልና`ውን ስለዝኾነ ንጽጉማት ክንዝክር፡ ኣብ`ዚ ሓድሽ ዓመት ብፍቕርን ምትሕልላይን ነሓድሕድና ንክበጻጻሕ፡ ቂምን ጽልእን፡ ቅርሕንትን ጸለመን ኣወጊድና ብሓባር ተኸባቢርና ሠናይ ግብሪ ክንዓይይ፡ ንዘይተሠርሐ ክንሠርሕ፡ ንዝተጀመረ ክንፍጽምን ብቕንዕና መንፈስ ክንትንሥእ ይግባእ።

ብረድኤት እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከጽንዓልና፡ ሃገርና`ውን ክልልት በግርማ ሕጽርቲ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ከንብረልና። እዚ ዓመት እዚ ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ክገብረልና፡ ንዝሓመሙ ፈውሰ ምሕረቱ፡ ንዝተጸገሙ ድማ ራሕዋ ሂቡ፡ ሓድነትና ኣጽኒዕና ብፍቕርን ሕወነትን ክንነብር ደጊምና ሓደራ ንብል።

ኣብ መወዳእታ ወትባርክ ኣክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም፡ ወይረውዩ ኣድባረ በድው።/ ኣክሊል ዓመተ ምሕረትካ ትባርኽ፡ ናይ ምድሪ በረኻታት ጠሊ ይጸግቡ፡ ኣብ ምድረ በዳ ገቦታት ይረውዩ።(መዝ 64፡11) ከም ዝብል ናይ ሎሚ ዓመት ዘመን ክረምቲ ውሕድ ዝበለ እኳ እንተኾነ ኣልቦ ዘይሰኣኖእግዚአብሔር ንሱ መጋብን ሰራዕን እዩ`ሞ፡ ንወርሓ ክረምቲ ባሪኹ፡ ንዝሃበና ልምላሜ ናብ ፍረን ቆፎን፡ ከምኡ`ውን ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ከብጽሓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ወእንዘ ሀሎነ በዘመን ሉቃስ ወንጌላዊ ያብጽሓነ እስከ ዘመነ ዮሓንስ ዜናዊ በሰላመ እግዚአብሔር፡ ማለት ብሓቂ ካብ`ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ዘመነ ሉቃስ፡ ናብ ዝመጽእ ዓመት ዘመነ ዮሓንስ፡ ብሰላም እግዚአብሔር የብጽሓና ትብል።

እግዚአብሔር ሃገርናን ምሉእ ዓለምን ይባርኽ!!!

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ ፮ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

መስከረም ፳፻፲ወ፱/ መስከረም 2026

 

Fonte: Shabait

Faça um comentário