Compartilhar
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብስራሕ ናብ ግብጺ ገይሹ።
ኣስመራ – 03 ጥቅምቲ 2026 – ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ሎሚ 3 ጥቅምቲ ሰዓት 7፡00 ንግሆ ናብ ግብጺ ገይሹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣብ ሓባራዊ ጸጥታን ርግኣትን ከምኡ’ውን ሽርክነታዊ ምትሕብባር ኣብ ዝዝቲ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ክሳተፍ’ዩ።

እዚ ጽባሕ 4 ጥቅምቲ ዝካየድ ዋዕላ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ብዝተፈላለየ መልክዓት ክካየድ ዝጸንሐ፡ ንዝሰፍሐ ጎደቦና ማለት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ዓደን፡ ወሽመጥ ዓረብን ተፋሰስ ኒልን ዝሽፍን ርክባት’ዩ።
ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ምትሕብባርን ዘተኰረ ርክባት ከምዘካይድ ተፈሊጡ’ሎ።
Fonte: Shabait
